ኣሜሪካን ኢራንን ኣብ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ በፂሐን
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ቴህራን ክወስዱዎ ሓሲቦም ዝነበሩ ሓደገኛ ደብዳብ ኣየር ንክልተ ሰሙን ተናዊሑ።
ምኽንያቱ ድማ ክልቲአን ሃገራት ንክልተ ሰሙን ዝፀንሕ ክልተኣዊ ስምምዕ ምቁራፅ ተኹሲ ምግባረን ስዒቡ ኢዩ።
ይኹን እምበር ቴህራን ወሽመጥ ሆርሙዝ ብቕልጡፍን ድሕንነቱ ብዝተማለአን ኩነታት ንኽትከፍት ቅድመ ኩነት ተነቢሩ ኣሎ።
ኢራን ብግደኣ ምስ ሓይሊታት ፀፅታ ኢራን ብምዃን ወሽመጥ ሆርሙዝ ንክልተ ሰሙን ብናፅነት ምጥቃም ከምዝከኣል ፈቒዳ ኣላ፡፡
ሚኒስትቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን፤ ብዓጃብነት ሓይሊ ምክልኻል ኢራን ወሽመጥ ሆርሙዝ ክፍቲ ከምዝኸውን ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡
እቲ ስምምዕነት ንኽዕወት ናይ ፓኪስታን ሽምግልና ዕዙዝ ከምዝሖነ ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣፍሊጦም።
ድሕሪ ፅባሕ ዓርቢ ኣብ ፓኪስታን ኢስላማባድ ተወከልቲ ክልቲአን ሃገራት ነዘተ ክቕመጡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡
ሲ ኤን ኤን