Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻደ ግራንድ ፕሪ ውድድር ጉያ ኣትሌት ፋንታዬ ኣዳነን ይስማው ድሉን ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻደ ግራንድ ፕሪ ውድድር ጉያ ብ10 ሺሕ ሜትሮ ኣትሌት ፋንታዬ ኣዳነን ይስማው ድሉን ተዓዊቶም፡፡

ውድድር ኣትሌቲክስ ግራንድ ፕሪ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።

በዚ ድማ ብ10 ሺሕ ሜትሮ ውድድር ጉያ ብደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ፋንታዬ ኣዳነ ቀዳመይቲ ብምውፃእ ተዓዊታ።

ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣትሌት ይስማው ድሉ ቀዳማይ ወፂኡ።

ኣብቲ ውድድር ልዕሊ 78 ውሩያት ዓለም ለኸ ኣትሌታት ከምዝተሳተፉ ሓሬታ ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን የመላኽት።

ለውጢ ኣረኣእያ ስፖርት ንምምፃእን ቱሪዝም ስፖርት ንምዕባይን ብስፍሓት ስራሕቲ ህንፀት ከምዝተሰርሐ ዝገለፀ እቲ ሚኒስቴር፤ እዚ ድማ ንህንፀት ምስሊን ዕቤት ኢኮኖሚን ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ንምስታፍ ኮኸባት ዓለም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተረኸቡ እንትኾኑ፤ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ተዓዋቲት ሜዳሊያ ወርቂ ኦሊምፒክ ፓሪስ 2024 ዝኾነት ጋቢ ቶማስ ትርከቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ወናኒ ክብረወሰን 100 ሜትሮ ኣፍሪካ ኬንያዊ ጎያዪ ፈርዲናንድ ኦማንያላን ነበር ወናኒ ክብረወሰን ዓለምን ተሸላሚት ሜዳሊያ ወርቂ ኦሊምፒክን ኣሜሪካዊት ዳሊላ ሙሓመድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተረኺቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.