Fana: At a Speed of Life!

ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 29 ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ሚኒስትር ዲኤታ ባህልን ስፖርትን መኪዩ መሓመድ ሓዱሽ ፈፃሚ ስራሕ ፌዴሬሽን ኣብ ሓደ ዓመት ብዙሕ ስራሕቲ ከምዘካየደ ኣረዲኦም።
እቲ ፌዴሬሽን ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር ውድድራት ምድላውን ፋይናንሳዊ ደገፍ ንምሃብን ፃዕሪ ክግበር ከምዘለዎ ገሊፆም።
ኣብዚ ክልተ መዓልታት ዝካየድ መድረኽ መበል 28 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ፣ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ በጀት 2017፣ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ፣ ትልሚ ስራሕን በጀትን 2018፣ ሰነድ ትካላዊ ሪፎርም ከምኡ እውን መዋቕራዊ መፅናዕቲ ዓቕሚ ሰብ ቀሪቡ ክዝተየሉ እዩ ተባሂሉ፡፡
ከምኡ እውን ኣብ ዝተመሓየሸ መተሓዳደሪ ደንቢ ፌደሬሽን፣ ስትራተጂካዊ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመትን ዝተመሓየሸ መምርሒ ዕድጊት፣ ፋይናንስን ምምምሕዳር መምርሒ ከም ኣጀንዳ ዝቐረቡ ጉዳያት ምዃኖም ተገሊፁ።
ብሌዊ በለጠ

ሰማሚዖም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.