Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ዘተ ኣፈላላይ ሓሳባት ካብ ምትእንጋድ ሓሊፉ እንታይ ይጠቕመና?

ብዙሕነት ሓሳብ ኣብ ዝረኣየሎም ዝተፈላለዩ ምሕበረሰብ ዓለምና ሃገራዊ ዘተ ከም ፈላማይ ኣማራፂ ተገይሩ እንትውሰድ ብዙሕ ኣይስተውዓልን፡፡ ብተፃራሪ ድማ ተሞክሮታት ከምዘርአእዩዎ ኣብ ኣፈላላይ ሓሳብ ግልፂ፣ መካተቲን ተኣማንነት ብዘለዎን መልክዑ ዘተ እንተዘይተገይሩ ቁስሊን ሕመምን ሃገር ናይ ምሕካም ዓቕሙ ልዑል ምዃኑ ኢዩ፡፡

ሃገራዊ ዘተ እውን ‘’ዜጋታት እንትደማመፁ ምትእምማን የዕብዩ፤ ዜጋታት እንትዘራረቡ ሰላም የውርዱ፤ እዚ ድማ ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ዘህልዎም መንፈስ በዓልዋናነት የደንፍዕ” ብዝብል ሓሳብ ዝተፈጠረ ዲሞክራሲያዊ ከይዲ ከምዝኾነ ክዝንጋዕ ኣይግባእን፡፡

ምስዚ ተተሓሒዙ ሃገራዊ ዘተ ኣፈላላያት ሓሳብ ኣብ ምትእንጋድ ከይዲ ንሕብረተሰቡ ኢሉ እውን ንሓቲ ሃገር ዝተፈላለዩ ገፀ-በረከታት ሒዙ ይመፅእ፡፡

እዞም ዝስዕቡ ሓሳባት እውን ናይዞም ገፀ-በረከታት መርአያ ኢዮም፡፡

  1. ሃገራዊ ዘተ ኣብ ሞንጎ ማሕበረሰባት ምትእምማን ይሃንፅ
  2. ሃገራዊ ዘተ መበገሲ ቅርሕንቲታት ነቒሱ የውፅእ

3ሃገራዊ ዘተ ዝፍልፍሉ መፍትሒ ሓሳባት ናይ ሓባር ንኽኾኑ የበረታትዕ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.