ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ እታ ሃገር ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዘለዋ ዘርእይ እዩ – ፕሬዚዳንት ታዬ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ኢትዮጵያ ብባዕላ ትተኣማመን ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዘለዋ ዘርእይ እዩ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ፡፡
ኣብ 4ይ ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዑደት ዘካየዱ ፕሬዚዳንት ታዬ÷ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ንዕብየት ሃገር ዓንዲ ሑቖ ምዃኑ ገሊፆም።
ኣብቲ ኤክስፖ ዝቐረቡ ፍርያት ብናይ ባዕልና መናእሰይ ዝፈረዩ ምዃኖም ዘገርም እዩ ኢሎም።
ዓቕሚ ምፍራይ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ምብፅሑን ካብ ሃገር ሓሊፉ ናብ ወፃኢ ምልኣኽ ዘኽእሉ ምዃኖም አረዲኦም።
ብዙፋን ካሳሁን