ባህሊ ምዕቃብን ቋንቋ ምምዕባልን መሰረት ምዕባለ ሃገር እዩ – ኣይተ ጥላሁን ከበደ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ባህሊ ምዕቃብን ቋንቋ ምምዕባልን ንምዕባለ ሃገር መሰረት እዩ ኢሎም ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ።
ስምፖዚየም ባህልን ቋንቋን መለወጢ ዘመን ብሄረሰብ ጋሞ ዮ ማስቃላ ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ ይካየድ ኣሎ።
እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፤ ክብርታት “ዮ ማስቃላ” ንሰላምን ራህዋ ሃገርን ክውዕሉ ይግባእ።
ኣቦታት ጋሞ ሰላም እንትፈርስ ብባህላዊ መንገዲ ኣፈታትሓ ጎንፂ ሰላም ብምፍጣር ብብርኪ ሃገር ኣፍልጦ ከምዝረኸቡ ብምዝኽኻር፤ ካብ ክብርታት ባህሊ ማሕበረሰብ ጋሞ ዱቡሻ ሓደ ምዃኑ ገሊፆም።
ብምዃኑ ድማ ነዚ ባህሊ ዘተ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ናብ ዓለም ለኸ ደረጃ ንምስፋሕ ስራሕቲ ይካየዱ ከምዘለዉ ኣመልኪቶም።
ባህሊ ኣሰራርሓ ሻማ ህዝቢ ጋሞ ብምስፋሕ እውን ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ካብ ምፍጣር ብተወሳኺ፣ ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ክበፅሕ ዝኽእል ዕድል ንምፍጣር ሰፊሕ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ ኢሎም።
ዞባ ጋሞ ብተፈጥሮኣዊ መስሕባት ዝተዓደለ ምዃኑ ብምፅራሕ፤ ተግባራት ሓለዋ ተፈጥሮ፣ ተግባራት ሓምለዋይ ኣሰር ምክያድን ምክንኻንን ኣገደስቲ ምዃኖም እውን ኣብሪሆም።
ዮ ማስቃላ ክብርታቱ ሰላም፣ ይቕረታን ዕርቂን ብምዃኖም፤ ክሕሎ ከም ዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም።
ብማቱሳላ ማቴዎስ