ሩስያ ልምምድ ኒውክሌር ኣፅዋር ምክያድ ጀሚራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሩስያን ቤላሩስን ልዕሊ 65 ሽሕ ወታደራት ዘሳተፈ ሓባራዊ ልምምድ ኒዩክሌር ኣፅዋር ምክያድ ጀሚረን።
ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንዝቕፅል ሰለስተ መዓልታት ልምምድ ልዕሊ 7 ሺሕን 800 ልምምድ ኒውክሌር ኣፅዋር ኣብ ረብሓ ከምዝውዕል ተገሊፁ።
ዩክሬን ኣብ ልዕሊ ሞስኮ እትፍፅሞ መጥቃዕቲ ድሮን እናተጠናኸረ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ዝጀመረ ልምምድ ኒውክሌር ኣፅዋር ንተግባራት ምዕራባውያን ዝምልከቶ ምላሽ ምኳኑ ተገሊፁ።
ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ሩስያን ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ስምምዕ ማሳርሒ ኩናት ኒውክሌር ቅድሚ ኣዋርሕ ከምዝተዛዘመ ይዝኸር።