ኣሜሪካ ኣውሮፕላን ዝሽከም መርከብ ሓዊሱ ብዙሓት ወታደራት ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ኣዋፊራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣሜሪካ ግዙፍ ኣውሮፕላን ዝሽከም መርከብ ሓዊሱ ተወሰኽቲ ወታደራት ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ኣዋፊራ።
ሚኒስቴር ምክልኻል ኣሜሪካ (ፔንታጎን) ከምዝሓበሮ፤ ሳልሰይቲ ኣውሮፕላን ትሽከም መርከብ ሓዊሱ ካብ 9 ክሳብ 10 ሺሕ ዝበፅሑ ተወሰኽቲ ወታደራት ናብ ማእኸላይ ምብራቕ ተዋፊሮም።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ዩኤስኤስ ቴዎዶር ሩዝቬልት ዝተብሃለት ዓባይ ናይ ኲናት መርከብ ካብ ወደብ ሳንዲያጎ ናብ ማእኸላይ ምብራቕ እናተንቀሳቐሰት ከምትርከብ ተገሊፁ።
ካብዚ ብተወሳኺ ካልኦት ናይ ኲናት መራኽብ፣ ነፈርቲ ውግእ፣ እግረኛ ወታደራት ሓይሊ ባሕሪን መራኽብ ዝመርሑ ሰራሕተኛታትን ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ናብቲ ከባቢ ከምዝዋፈሩ ተሓቢሩ።
እቲ ምውፋር ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ምዝዛም መረፃ ማእኸላይ ዘመን ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓዱሽ መጥቃዕቲ ከካይዱ ከምዝኽእሉ ምግላፆም ስዒቡ ከምዝጀመረ ዎል ስትሪት ጆርናል ብምፅራህ ዓረብ ኒውስ ፀብፂቡ።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ሰላም ዝተቛረፀ እንትኸውን፤ ቅድሚ ሕዚ ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኢራን ሓዱሽ ስምምዕ ምፍራም ኣድላዪ ከምዘይኮነ ብምግላፅ እቲ ናይ ዲፕሎማሲ ማዕፆ ከምዝተዓፀወ ምግላፆም እቲ ፀብፃብ ኣዘኻኺሩ።
ብሚኪያስ ኣየለ