ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ምስ ቻይና መዘነኦም ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ምስ ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ኣብ ቤጅንግ ተዛቲዮም፡፡
ኣብቲ እዋን ዘተ ፕሬዚዳንት ፑቲን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ ኣብ ሞንጎ ሩሲያን ቻይናን ዘሎ ኩለመዳይ ምሕነትን ስልታዊ ምትእስሳርን ኣብ ዘበናዊ ዓለም ተምሳሌት ክልተኣዊ ዲፕሎማሲ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብኣምር ሓበራዊ ተረባሕነት ኣብ ምክብባርን ምትእምማንን ዝተመስረተ ሓቀኛ ምትሕብባር ኢዩ ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት÷ ዕላማኡ ድማ ድሕንነትን ዕቤትን ህዝቢታት ክልቲን ሃገራት ምርግጋፅ ኢዩ ኢሎም፡፡
ክልቲኦም መራሕቲ ድሕሪ እቲ ዘተ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብሓብር ንምስራሕ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ክለተኣዊ ስምምዕነታት እናተፈራረማ ከምዝርከባ ፀብፃብ ሲጂቲኤን ኣመልኪቱ፡፡
ቻይናን ሩሲያን ናይ ኩሉ ግዘ መሓዙት ሃገራት እንትኾና÷ እተን ሃገራት ኣብ መዳይ ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካ፣ ወታደራዊን ህዝቢ ምስ ህዝቢን ርክበን ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጠናኸረ መፂኡ ኢዩ፡፡
ቻይና ናይ ሩሲያ ነዳዲ ብምዕዳግ ቀዳመይቲ መሓዛ ንግዲ እንትትከውን÷ ልውውጥ ንግዲ ክልቲአን ሃገራት እውብ ብዓመት ካብ 235 ክሳብ 240 ቢሊየን ዶላር ከምዝበፅሕ ሓበሬታ ቢቢሲ የመላኽት፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ