ልዑል ቁፅሪ ዘለዎም መረፅቲ ድምፂ ይህቡ ኣለዉ – ወ/ሮ ሜላትወርቅ ሃይሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሜላትወርቅ ሃይሉ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎም መረፅቲ ድምፂ ኣብ ምሃብ ይርከቡ ኢሎም።
እተን ኣካቢት ግዚያዊ ከይዲ መረፃ ብዝምልከት ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ከምዝበለኦ÷ ንዕዉትነት እቲ መረፃ ወሳንነት ዘለዎ ዝርገሐ ናውቲ መረፃ ትማሊ ምሸት ሰዓት 12 ብዕዉት ኩነታት ተዛዚሙ።
ኣብ 39 ሺሕን 723 ጣቢያታት መረፃ ዘይሻራዊ ተዓዘብቲ ከይዲ እቲ መረፃ እናተኸታተሉ ከምዝርከቡ ኣልዒለን።
41 ሺሕን 978 ኣብ ዝኾኑ ጣቢያታት ድማ ተወከልቲ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ከምዝተረኸቡ ተዛሪበን።
ዲጂታል ምዝገባ ኣብ ዝተገበረሎም ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ጣቢያታት መረፃ ነዋሕቲ ሰልፊታት እናተርኣዩ ከምዝርከቡ እተን ኣካቢት ቦርድ ገሊፀን።
ብዲጂታል መገዲ ብሞባይል ኣፕሊኬሽን፣ ብዌብ ሳይት ወይ እውን ብቦርድ ታብሌት ዝተመዝገቡ መረፅቲ ቅደም ሰዓብ ብናይባዕሉ ሲስተም ዝውሰን ከምዝኾነ ነቲ ነዊሕ ሰልፊ ምፍጣር ምኽንያት ከምዝኾነ ሓቢረን።
ብሶስና ኣለማየሁ
#ኢትዮጵያ #ኢትዮጵያትመርፅኣላ #ብመረፃጥራሕ #ፋናዲጂታል #Election #fanadigital #Ethiopia #Ethiopiavotes #Democracy #fanatelevision