638 ኣትሌታት ኣብ ፍርቂ ማራቶን ኢትዮጵያ ዝሳተፍሉ ውድድር…
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 19 ፍርቂ ማራቶን ኢትዮጵያ ፅባሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።
ኣብ ኣደባባይ መስቀል ዝጅምርን ዝዛዘምን እዚ ውድድር 638 ኣትሌታት፣ 455 ደቂ ተባዕትዮን 183 ደቂ ኣንስትዮን ክሳተፉ እዮም።
እዚ ውድድር ኣብ ስዊድን ንዝካየድ ፍርቂ ማራቶን ንኢትዮጵያ ወኪሎም ዝሳተፉ ኣትሌታት ንምምራፅን መተካእታታት ንምፍራይን ዝዓለመ እዩ።
ኣብዚ ውድድር ካብ 1ይ ክሳብ 6ይ ደረጃ ንዝዛዘሙ ኣትሌታት ብገንዘብ ሽልማት፣ መዳልያን ፅዋዕን ከምዝወሃቦም ተገሊፁ።