ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ሰሜን ኮርያ ኣትዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ድሕሪ 7 ዓመታት ንፈለማ እዋን ዕላዊ ዑደት ንምክያድ ሰሜን ኮርያ ፒዮንግያንግ ኣትዮም።
እቶም ፕሬዚዳንት ናብ ፒዮንግያንግ ዝገብርዎ ዘለው ዑደት ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን ፕሬዚዳንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ኣብ ቤጂንግ ድሕሪ ምቕባሉ ድሕሪ ሰሙናት ከምዝኾነ ቢቢሲ ሓቢሩ።
ሺ ጂንፒንግ ኣብ ሰሜን ኮርያ ፃንሒቶም ምስ መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘተ ከካይዱ ትፅቢት ይግበር።
ብፋላይ ኣብ ኒውክሌር፣ ምስ ኣሜሪካን ዘለወን ዝምድና ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ኮርያ ዘሎ ጎንፂ ንምፍታሕ ኣብ ዝክኣለሎም ጉዳያት ክዛተዩ ምዃኖም ተገሊፁ።
ብብርሃኑ ኣበራ