Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ኤኬ ቱርኪዬ ንዓወት 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣሕሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ገዛኢ ፓርቲ ቱርኪዬ ዝኾነ ፓርቲ ፍትሕን ልምዓትን (ፓርቲ ኤኬ)፣ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዘመዝገቦ ዓወት ዕላዊ መግለፂ ሓጎስ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ምክትል ኣቦ ወንበር ኤኬ ፓርቲን ሓላፊ ክፍሊ ወፃኢ ዝምድናታት እቲ ፓርቲን ዛፈር ሲራካያ፣ ንምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ብዝለኣኹዎ ዕላዊ ደብዳቤ እቲ ውፅኢት መረፃ ፈታዊ ዝኾነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላም፣ ብልፅግናን ድሕንነትን ክውስኽ ልባዊ ትምኒቶም ገሊፆም።

ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ዘይተሓለለ ፃዕርን፤ ኢትዮጵያ ናብ ምርግጋእ ዘላቒ ልምዓትን ሓቛፊ ዕብየትን ዝተመርሐ ጉዕዞኣ ብዝያዳ ከም እትቕፅል ሙሉእ እምነት ከም ዘለዎም ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም።

እቶም ሓላፊ ኣብ ደብዳቤኦም “ኣብ መንጎ ፓርቲታትና ዝተመስረተ ፅቡቕ ዝምድናን ምትሕብባርን ብዙሕ ኣገዳሲ እዩ፤ ኣብ 30 መስከረም 2025 ዝተፈረመ ውዕል ምርድዳእ፤ እቲ ዝምድና ንምጥንኻር ጠንካራ መሰረት ኣንቢሩ ኢልና ንኣምን” ብምባል ካብ ወገን ፓርቲ ብልፅግና ንዝተራእየ ሃናፂ ኣቀራርባን ምላሽን ዘለዎም ልዑል ናእዳ ገሊፆም።

እቲ ደብዳቤ ወሲኹ፤ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንፓርቲ ብልፅግና እንደገና ዝሃቦ ውክልና ኣብ መንጎ ክልቲኦም ፓርቲታትን ክልቲአን ሃገራትን ዘሎ ናይ ነዊሕ ግዜ ምሕዝነት ምትሕብባርን ዝያዳ ንምጥንኻር ሓደሽቲ ዕድላት ከም ዝፈጥር ዘለዎም እምነት ብምግላፅ መልእኽቶም ዛዚሞም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.