ከንቱ ዙረት ኣሞራታት
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ናይ ምብራቕ ኣፍሪካ ብኢኮኖሚ፣ ሰላምን ድሕንነትን፣ ፖለቲካን ማሕበራዊን ዓንዲን መራሒትን ሃገር ኢያ፡፡
ኢትዮጵያ ማእኸል ፅንፀ ሓሳብ ናፅነትን ሓድድነትን ፓን ኣፍሪካኒዝም፣ ዲፕሎማሲያዊት መዲና እታ ኣህጉር ከምኡ እውን ምልክት ኩርዓት እንትትከውን ሓበራዊ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ረብሓ ኣፍሪካ ኣብ ምኽባር መሪሕ እጃማ እናተዋፀአት ትርከብ፡፡
ኢትዮጵያ ከም ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝበሉ ሃገራዊ ፕሮጀክታት ሃኒፃ ብምዝዛም ኣፍሪካውያን ናይ ባዕሎም ፀገም ብናይ ባዕሎም ዓቕሚ ክፈትሑ ዝኽእሉሉ ዓቕሚ ከምዘለዎም ብተግባር ዘርአየት እንትትከውን፤ እቲ ዞባ ብልምዓት ኢነርጂ እናተኣሳሰረት ትርከብ፡፡
ብፍላይ ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካን ዘለዋ ስትራቴጂካዊ መልክኣ ምድራዊ ኣቀማምጣ ብምጥቃም ንዞባዊ ምትእስሳር ልዑል ግደ እናተፃወተት ትርከብ።
ብዋናነት ብሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ትራንስፖርት፣ ንግዲን ካልኦት ፕሮጀክታት ዘላቒ ልምዓትን ኣቢላ ዞባዊ ምትእስሳርን ሓበራዊ ዕቤትን ካብ ቃል ሓሊፉ ብተግባር ዝገለፀት ሃገር ኢያ፡፡
ይኹን እምበር ካብ ዘላቒ ሰላምን ዕቤትን ኢትዮጵያ ብተፃራሪ ጠጠው ዝበሉ ታሪኻዊ ፀላእቲ ሕዚ እውን ንኢትዮጵያ ካብ ዞባዊ ምትሕብባር ንምንፃልን ኣህጉራዊ መሪሕነታ ንምዕጋትን ፈተነ እንትገብሩ ይረአ፡፡
ትናሊ ዕለት እውን ናይ ካይሮን ኣስመራ ኣፍራስ ልዕሊ ኢትዮጵያ ነቲ ዞባ ሓሰብቲ ብምምሳል ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ፣ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዞባዊ ምትሕብባርን ድሕንነትን ብሓባር ንምስራሕ ዘቲና ክብሉ ተሰሚዑ ኣሎ፡፡
ግብፂን ኤርትራን ርክበን ነቲ ዞባ ዝረብሕ ምትሕብባር ወይ እውን ንሓበራዊ ሰላም ቀይሕ ባሕሪ ረብሓ ዘለዎ ስምምዕነት ንምፍፃም ዘይኮነስ እኩይ ዞባዊ ድሌተን ንምዕዋት ዝዓለመ ምዃኑ ኣየጠራጥርን፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ከምዝበሉዎ፤ ቁራፅ ስጋ ደልዮም ኣብ ሰማይ ኢትዮጵያ ዝዛውኑ ኣሞራታት ኢትዮጵያ እንተዘይፈቒዳ ምንም ኣይረኽቡን።
ኢትዮጵያ ሕዚ እውን ነቶም ኣሞራታት ከንቱ ዙረትን ንኣውያት ባንዳታት ትኹረት እንተይሃበት ዘላቒ ሰላማ ንምርግጋፅን ሃገራዊ ምዕባለ ጋህዲ ንምግባርን ኣብ ስራሕ ትርከብ።
ብሚኪያስ ኣየለ