Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምሕዝነት ቀይሕ ባሕሪ ንዞባዊ ሰላምን ሓባራዊ ዕብየትን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ምርካባን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ቀጥታዊ ተሳታፊት ብምዃና ኣብ ከባቢኡን ኢሉ እውን ዞቦዊ ሰላም ንምርግጋፅ ከምኡ’ውን ዞቦዊ ምትእስሳርን ሓባራዊ ልምዓትን ንምርግጋፅ ዓብዪ ግደ ክህልዎ እዩ።

ቀይሕ ባሕሪ ኣፍሪካ ምስ እስያን ማእከላይ ምብራቕን ዘራኽብ ስትራቴጂካዊ መስመር ንግዲ እኳ እንተኾነ፣ ኣብኡ ሽበራ ባሕሪ፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ኣፅዋርን ከምኡ’ውን ጎንፅታት ዝካየደሉ ከባቢ እዩ።

በዙይ መልክዑ ቀይሕ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ንኹለን ሃገራት እቲ ዞባ ኣሉታዊ ፅዕንቶን ስግኣት ሃገራዊ ድሕንነትን ከመፅእ ዝኽእል እዩ።

ንኣብነት ኣል ሻባብ ሓዊሱ ዶብ ዝሓልፉ ግብረ ሽበራዊ ጉጅለታትን ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ብምንቅስቓሶም ሃገራት እቲ ዞባ ብሓባር ሰላም ንምሕላውን ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ንምክልኻል ክሰርሑ የገድዶም።

ብተመሳሳሊ እቲ ከባቢ ዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ሰባት ኣብ ባሕሪ ዝሳገሩ ስደተኛታት ከቢድ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዒ ዝፍፅሙሉ እዩ። ካብ ሃገራት እቲ ከባቢ ዝለዓሉ ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ናብ ማእከላይ ምብራቕ ንምስጋር ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን ብዙሓት ሰባት ብምጥሓል ጀልባታት ህይወቶም ስኢኖም እዮም።

ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ምርካባ ንሃገራት እቲ ዞባ ብዙሕ ፋይዳ ይህለዎ። ቀይሕ ባሕሪ ካብ ውድድር ናብ ምትሕብባር ክቕየር የኽእል ከምኡ’ውን ሸፋቱ ባሕሪ፣ ሽበራ፣ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ኣፅዋርን ሰባትን ዝኣመሰሉ ዶብ ዝሓልፉ ፀገማት ብሓባር ንምንካይ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ክህልዎ እዩ።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ካብ ባሕሪ 60 ኪሎ ሜትር ጥራይ ርሒቓ ትርከብ። ዝዓቢ ዘሎ ህዝባን ኢኮኖሚኣን ብምርኣይ፣ መውፅኢ ባሕሪ ምውናን ንሃገራት እቲ ዞባ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ምትሕብባርን ምስፋሕ መሰረተ ልምዓትን ኣገዳሲ ግደ ይፃወት።

ሃገራት ብንግዲ፣ ብመሰረተ ልምዓትን ብኢኮኖሚን ብዝያዳ እናተኣሳሰራ ብዝኸዳ መጠን ካብ ጎንፂ ንላዕሊ ምትሕብባር ክመርፃ ዕድለን ከምዝውስኽ ክኢላታት ይገልፁ።

ስለዚ መንግስቲ መደመር ብዛዕባ ሕቶ በሪ ባሕሪ ሕቶን ውሳነታት ብዝምልከት ቆራፅ ውሳነታት ዝሓለፈ ሕቶ ኣብ ብዙሓት ሃገራትን ትካላትን ተቐባልነት እናረኸበ ይመፅእ ኣሎ።

በዚ ምኽንያት ሃገራት እቲ ዞባ ነዚ ናይ ኢትዮጵያ ፍትሓዊን ሕጋዊን ሕቶ ብሰላማዊ መንገዲ ምላሽ ክረክብ ደገፍ ምግባር ምኽንያታዊ ተግባር እዩ።

ብሚኪያስ ኣየለ

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.