Fana: At a Speed of Life!

ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ሕርሻ ንምስፋሕን ተበፃሕነቱ ንምጥንኻርን ስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)መፍረያይነት ዓውዲ ሕርሻ በዝበለፀ ንምዕባይ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ሕርሻ ናይ ናይ ምትግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሉ ሚኒስቴር ሕርሻ።

ኣብቲ ሚኒስቴር መሪሕ ፈፃሚት ስራሕ ኤክስቴንሽን ሕርሻ የኔነሽ ኤጉ ከም ዝበለኦ፤ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝተመዝገበ ልዑል ውፅኢት ንምቕፃል ካብ ዝተለመደ ሜላ ኣሰራርሓ ምውፃእ ይግባእ፡፡

ነዚ ድማ ንግዚኡ ዝምጥኑ ቴክኖሎጂታት ሕርሻ ብሰፊሑ ምጥቃምን ቀረብ እታወታት ሕርሻን ዝያዳ ምምሕያሽን ኣገዳሲ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

መፍረያይነት ቴክኖሎጂ ሕርሻ ብምዕባይ ውሕስና መግቢ ንምርግጋፅ ከምኡ እውን ካብ ፅግዕተኝነት ዝናብ ዝተናገፈ ዘበናዊ ሕርሻ ንምስግጋር ወሳኒ ምዃኑ ገሊፀን።

ሜካናይዜሽን ሕርሻ ብዝበለፀ ብምስፋሕ ተረባሕነት ሓረስቶት ንምዕባይ ምስመሓዙት ትካላት ብምትሕብባር እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣመልኪተን።

ንኣብነት ድማ ምስ ሳሳካዋ ኣፍሪካ ኣሶሴሽን፣ ትካላት ምርምር፣ ዩኒቨርሲቲታትን መሓዙትር ልምዓትን ብምትሕብባር፣ ስርዓት ኤክስቴንሽን ሕርሻ ንምጥንካር ፍሉይ ትኹረት ከም ዝተዋህበ ገሊፀን።

ሳሳካዋ ኣብ ዕዳጋ ዝተመርኮሰ ልምዓት ሕርሻ፣ ዲጂታል ኣገልግሎትን ኤክስቴንሽንን ኣግሪቢዝነስን ብምስራሕ፤ ንመነባብሮ ኣሓረስቶት ኣገዳሲ ኣስተዋፅኦ ከም ዘበርከተ ገሊፀን።

ዳይሬክተር ሳሳካዋ ኣፍሪካ ኣሶሴሽን ኢትዮጵያ ዶ/ር ፈንታሁን መንግስቱ ብወገኖም፣ እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፉ 33 ዓመታት ንዕብየት ዘርፊ ሕርሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ስራሕ ብምስራሕ ዓቢ ኣሻራ ከም ዝገደፈ ኣዘኻኺሮም።

ብፈጠራ ዝተደገፉ ኣገልግሎታት ኤክስቴንሽንን ዘመናዊ ቴክኖሎጂታት ሕርሻን ምስፋሕ፣ ከምኡ ድማ ብምትሕብባር ዝተመስረቱ ስራሕቲ ምሕዝነት ምጥንኻር ኣድላዪ ምዃኑ ኣፅንኦት ሂቦም።

ንምዝማን ስርዓት ኤክስቴንሽን ሕርሻ ኢትዮጵያ ልዑል ግደ ዝተፃወተ እቲ ዓመታዊ መድረኽ፤ ባለድርሻ ኣካላት ሳሳካዋ ኣፍሪካ፣ “ካብ ውጽኢት ናብ ተግባር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ተኻይዱ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.