ፓርቲ ብልፅግና ናብራ ህዝቢ ንምምሕያሽ ዝጀመሮም ጭቡታት ለውጥታት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም – ኣይተ ኣደም ፋራህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ብዝተዋደደ ስራሕ መንግስቲን ፓርቲን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ንምስፋሕ፣ ዕዳጋ ንምርግጋእን ምኽባር ናብራ ንምካይን ዝጀመሮም ጭቡጣት ስራሕቲ ብዝበለፀ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም ኢሎም ምክትል ፕሬዚዳንትን ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈትን ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ።
ኣብ በጀት ዓመት 2018 ብዝተዋደደ ስራሕ መንግስቲን ፓርቲን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ንምስፋሕ፣ ዕዳጋ ንምርግጋእን ምኽባር ናብራ ንምካይን ዝተሰርሑ ዓበይቲ ተግባራት ዝገምገመ መድረኽ ተዛዚሙ።
ኣይተ ኣደም ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ምፍጣር ዕድል ስራሕ፣ ምርግጋእ ዕዳጋን ምንካይ ምኽባር ናብራን ስሩዓት መደባት መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮኑስ ካብ ቀንዲ ቀንዲ ፖለቲካዊ ልእኽቶታት ፓርቲ ብምዃኖም ብኩሉ ደረጃ ኣመራርሓ ብጎስጓስ ተመሪሖም ኢሎም።
እዚ ድማ ትልሚ ካብ ምፍፃም ሓሊፉ ኣብ መዓልታዊ መነባብሮ ህዝቢ ጭቡጥ ውፅኢታት ንኽምዝገብ ኣስተዋፅኦ ከምዝገበረ ገሊፆም።
ኣብ ኩለን ክልላት ኣብ ዕድል ስራሕ ምፍጣርን ምንካይ ምኽባር ናብራን ምምሕያሽ ከምዝተመዝገበ ዝገለፁ ኣይተ ኣደም፤ እቲ ዘሎ ዓቕሚ ሃገርን ድሌት ህዝብን እንትረአ ግና ካብዚ ንላዕሊ ክስራሕ ዝግባእን ብዙሕ ስራሕ ከምዘለዎን ኣስገንዚቦም።
“ክልቲኦም ኣንፈታት ትኹረት ብጎስጓስ ህዝቢ ብምምራሕ እቲ ጉዳይ ክሳብ ቀበሌ ናይ ኣመራርሓ ኣጀንዳ ምግባር ተኻኢሉ ኢዩ፤ እዚ ድማ ጭቡጥ ለውጥ ኣምፂኡ ኢዩ፤ ሕዚ ዘሎ ጅማሮ ምጥንኻርን ናብ ልዑል ውፅኢት ምስግጋር ትፅቢት ይግበር” ኢሎም።
ኣይተ ኣደም ውዳበታት ፓርቲን ኣባላቱን ኣብዚ መዳይ መሪሕ እጃም ክፃወቱ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
እቶም ዝተፈላለዩ ተሳተፍቲ ኣካላት ዘለዎም ምትሕብባር ብዝያዳ ክጠናኸር ከምዝግባእን፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ ዓቕሚ ልምዓትን ኩነታት ዕዳጋን መሰረት ብምግባር፣ ንህዝቢ ቀጥታዊ ረብሓ ዘምፅኡ ፍርያት ብምልላይ ኩነታት መነባብሮ ንምምሕያሽ ናይ ቀፃሊ ትኹረት ክኸውን ከምዝግባእ ገሊፆም።
ናይ 2019 በጀት ዓመት ትልሚታት ብዝሐሸ ኣፈፃፅማ ንኽትግበሩ፤ ኩሎም ውዳበታት ፓርቲን ትካላት መንግስቲን ብምትሕብባር፣ ተሓታትነትን ብውፅኢት ተኮር ኣሰራርሓን ክንቀሳቐሱ ከምዝግባእ ሓቲቶም።
ንኽልተ ተኸታታሊ መዓልታት ዝተኻየደ ገምጋም ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2018ን ዘተ መሪሕ ትልሚ በጀት ዓመት 2019ን ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ቀፃሊ ኩነታት መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ ኣብ ዘኽእሉ ኣንፈታት ትኹረት ብምቕማጥ ተዛዚሙ።