እቲ ሃገራዊ ዘተ ከም ሃገር ዘይተፈተንናዮን ዘይተጓዓዝናሉን ሓዱሽ መገዲ እዩ – ተወከልቲ ፓርትታት ፖለቲካ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ኣብቲ ሃገራዊ ዘተ እናተሳተፉ ዝርከቡ ተወከልቲ ፓርትታት ፖለቲካ እቲ ሃገራዊ ዘተ ቅድሚ ሕዚ ከም ሃገር ዘይተፈተንናዮን ዘይተጓዓዝናሉን ሓዱሽ መገዲ እዩ ኢሎም።
እቶም ተወከልቲ ፓርትታት ከምዝበሉዎ፤ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዘመናት እትፍለጠሉን መግለፂኣ ዝኾነን ዕንክሊል ኲናት ንድኽነትን ድሕረትን ከምዘቃልዓ ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም።
ተወካሊ ፓርቲ ኢዜማ ኣርክቴክት ዮሃንስ መኮንን፤ ኣጀንዳ ሃገራዊ ዘተ ቅድም ኣብ ዝበሉ እዋናት ፓርቲታት ፖለቲካ የልዕሉዎም ዝነበረ ጉዳይ ይኹን እምበር ኣብቲ እዋን ዝነበሩ መራሕቲ “ምኽክር ኣብ መቓብርና ጥራይ እዩ ዝካየድ” ብምባል ከም ዝነፀጉዎ ኣዘኻኺሮም።
ኣብዚ ዘመን ግን ህዝቢ ኢትዮጵያ ድሌቱ ዝገልፀሉን ኣፈላላያቱ ብዘተን ብልዝብን ኣብ ጠረጴዛ ኮይኑ ዝፈትሐሉ ዕድል ምርካቡ ዝፀንሐ ድሌት ፓርቲታት ፖለቲካ ከምዝነበረ ተዛሪቦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ንዘበናት ፍልልያት ብሓይሊ ናይ ምፍታሕ ዝነበረ ኣካይዲ፤ ልምዲ ጥራይ ዘይኮነስ መጥፍኢን ንወለዶታት ዝጎድእን ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።
እቲ ሃገራዊ ዘተ ቅድሚ ሕዚ ከም ሃገር ዘይተፈተንናዮን ዘይተጓዓዝናሉን ሓዱሽ መገዲ ስለ ዝኾነ፤ ኢትዮጵያውያን ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ብሰፊሑ ምስታፎም ዘሐጉስ ምዃኑ ገሊፆም።
እዚ ዕድል ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ዳግማይ ክትረኽቦ ዘይትኽእል ስለዝኾነ፤ ብኣግባቡ ክጥቀመሉ ኣለዎ ክብሉ እውን ኣፅንኦት ሂቦም።
ንዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ብምውካል ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፉ ዝርከቡ ተስፋሁን ኣለምነህ ብግደኦም፤ ከም ሃገር ኣፈላላያት ብምዝታይ ንምፍታሕ ብዙሕ ቃልሲ ከም ዝተገብረ ገሊፆም።
ፖለቲካዊ ድሌታትን ኣፈላላያትን ብውግእ ንምፍታሕ ምፍታን ኣዝዩ መጥፍኢ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ኲናት ናይ ሓደ ወገን ዓወት ጥራሕ ዘረጋግፅ ስለዝኾነ፤ ዘይቋረፅ ዑደት ኮይኑ ንሃገርና ብዙሕ ዋጋ ኣኽፊሉ ኢዩ ኢሎም።
“ኣብዚ ዘመን ዘለዉና ቅርሕንቲታት ናብ ደቅና ክነሳግሮም የብልናን” ዝበሉ ኣይተ ተስፋሁን፤ “እዚ ምዕራፍ ብሃገራዊ ዘተ ክንዓፅዎ ኣለና፤ ንደቅና ድማ ዝሓሸት ሃገር ክነረክቦም ይግባእ” ኢሎም።
ኣፈላላያት ብልዕልነት ሐሳብን ብዘተን ክፍትሑ ኣለዎም ዝብል ፅኑዕ መርገፂ ከም ዘለዎም ዝገለፁ ድማ ተወካሊ ዴሞክራቲክ ፓርቲ ትግራይ ሙሉብርሃን ሃይለ እዮም።
ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ፖለቲካዊ ድሌታት ብውግእ ናይ ምፍፃም ዝንባለ ከም ዘሎን እዚ ድማ ነቲ ማሕበረሰብ ናብ መከራ ከም ዘእተዎን ገሊፆም።
እቲ ሃገራዊ ዘተ ድሑር ፖለቲካዊ ባህልና ዘትርፍ፣ ፀገም ዝፈጥሩ ኣካላት ንጎኒ ዝደፍእ ከምኡ እውን ሓድነት ኢትዮጵያውያን ዘጠናኽር ከምዝኸውን ገሊፆም።
ክሳብ ሕዚ ዘሎ ከይዲ እቲ ሃገራዊ ዘተ ኩሎም ተወከልቲ ማሕበረሰብ ሓሳቦም ብናፃ እናቐረቡ ብልዑል ምድማፅን ምክብባርን እናተኻየደ ከምዝርከብ እቶም ተወከልቲ ፓርቲታት ፖለቲካዊ ገሊፆም።
ብኣቤል ነዋይ