ኣርሰናል ንኤዝሪ ኮንሳ ካብ ኣስቶንቪላ ንምፍራም ተስዕሚዓ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣርሰናል ንእንግሊዛዊ ተኸላኻሊ ኤዝሪ ኮንሳ ካብ ኣስቶንቪላ ንምፍራም ተሰማሚዓ።
መድፈዐኛታት ጉድኣት ዊልያም ሳሊባን ጁሪያን ቲምበርን ስዒቡ ንኤዝሪ ኮንሳ ናብ ጋንታኦም ንኽፅምበር ከምዝተስማዕመዐት ቢቢሲ ፀብፂቡ።
እቲ ተፃዋታይ ፅባሕ ምርመራ ሕክምና ክገብር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ኤዝሪ ኮንሳ ኣብ ዓመተ ውድድር 2019/20 ንኣስቶን ቪላ ዝተፀንበረ ኮይኑ፤ ክሳብ ሕጂ ንቪላ 286 ግጥማት ኣካይዱ።
ኮንሳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ ውድድር ኣስቶን ቪላ ዋንጫ ዩሮፓ ሊግ ንኽትዕወትን ኣብ ውድድር ቻምፒዮንስ ሊግ ንኽትሳተፍን ልዑል ግደ ተፃዊቱ እዩ።
ብኣብረሃም ኣበራ