ዘብዒ ታሪኽ፣ ፅንዓትን ህልውና ሃገርን
“ካብ ሞት ንላዕሊ ንምሟት” ዝተኣተወ ቃል ኪዳን፣ ሺሕ ግዘ ደም እንተፈሰሰ እውን ብመስዋእትነት ሃገር ንምቕፃል ዝኣተወ ኪዳን…”
እዚ ካብ መዝሙር ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝተወስደ ተለላ፣ ፅባቐ ቃላት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ እቲ ትካል ንህልውና ሃገርን ድሕነት ህዝብታትን ክብል ዝኣተዎ ዘይናጋዕ ናይ መስዋእትነት ቃል ኪዳን ብግልፂ ዘርኢ ህያው ምስክር እዩ።
ታሪኽ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ ውርሲ ጅግንነትን ሓርበኝነትን እንትኸውን፤ እዚ ውርሲ ድማ ብደም ኣቦታት ዝተመስረተን ብፃዕሪን ረሃፅን ዝፀንዐ እዩ።
ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ውግኣት ብተግባር ዝግለፅ ህያው ቃል ኪዳን እዩ። እቲ ሰራዊት ንሃገሩ ዘለዎ ፍቕሪ ብቃላት ጥራሕ ዘይኮነስ ብና ህይወት መስዋእትነት ዝገልፅ፣ ንሕገ መንግስቲን ንሓድነት ህዝብታትን ዝቖመ ሓይሊ እዩ።
ጥንካረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝፍልፍል ካብ ዝሓለፈ ታሪኽ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ነቲ ታሪኽ ናብ ሓዱሽ ወለዶ ብምስግጋርን ብምጥንኻርን ዝኽእል ዓቕሙ እውን እዩ።
ነፍሲ ወከፍ ወተሃደር ናይ ቀዳሞት ኢትዮጵያውያን ናይ ናፅነት ቃልሲ ከም ሓደራ ተቐቢሉ፣ ኣብ ዘበኑ ሓዱሽ ታሪኽ ጅግንነት ንምፅሓፍ ቆራፅን ውፉይን ኮይኑ ይቕፅል።
ፈተናታት ከም ማዕበል እንተተለዓሉ እውን፣ እቲ ሰራዊት ካብ ውሽጡ ብዝፍልፍል ጥንካረ ተጋፊዑ ክሓልፎም ዝኽእል ተሞክሮ ኣደንፊዑ እዩ።
ሓይሊ ሰራዊት ምክልኻል ምንጩ ባዕሉ ህዝቢ እዩ። ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ኢትዮጵያ ዝተዋፅኡ ወተሃደራት፣ ኣብ ሓባራዊ ክብርታት ተመስሪቶም ብሓደ ደው ይብሉ፤ ግርማኦም ንፀላኢ የፍርሕን የርዕድን።
ሰላምን ልምዓትን ሓባራዊ ዕላማኦም፣ ማዕርነትን ምክብባርን ድማ መሰረት ሓባራዊ ህይወቶም እዩ። እዚ ዝተፈላለዩ መንነታት ኣብ ትሕቲ ሓደ ዕላማ ዝእክብ ዓቕሚ፣ ንሰራዊት ፍሉይ ውሽጣዊ ጥንካረ ይህቦ።
እቲ ሰራዊት ንፀላእቱ ዘይስዓር ሓይሊ ኮይኑ ደው ዝበለ ብኣካላዊ ብቕዓት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብ ውሽጡ ብዘሎ ዘይናወፅ ወነ እውን እዩ።
እዚ ወነ ካብ ቀረባ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ካብ ርሑቕ እውን እናተሰምዐ ንፀላእቲ ዘርዕድን፣ ዝኾነ ይኹን መሰናኽል ንምስባር ዓቕሚ ዘለዎን እዩ።
ስለ ክብሪ ሃገር ዝኽፈል ዋጋ ክንዲ ዝኸቨደ ይኽበድ፣ እቲ ሰራዊት ንድሕሪት ዘይምለስ ቆራፅነት የርኢ። ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ንሃገሮም ዝኣተውዎ ቃል ኪዳን፣ ካብ ውልቃዊ ህይወቶም ንላዕሊ ዝያዳ ኣገዳሲ ገይሮም ይሕዝዎ።
ኢትዮጵያ ብኽብሪ ክትነብርን ስማ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክኽበርን፣ ዝኾነ ይኹን መስዋእትነት ንምኽፋል ድሉዋት ምዃኖም ብተግባር የርእዩ።
እዚ ቆራፅነት “ካብ ሞት ንላዕሊ ንምሟት” ተባሂሉ ክግለፅ ዝኽእል፣ ዓሚቝ መግለፂ ፍቕሪ ሃገር እዩ። እዚ ናይ ፅንዓትን ቆራፅነትን ክብሪ ብንድፈ ሓሳብ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብ ጭቡጥ ተግባር ዝተመስረተ እዩ።
ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይልታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ማእኸል ስልጠና ዕዝ ፍሉይ ወፍሪታት ንመበል 45 ግዘ ዘሰልጠኖም ናይ ፅንዓት ኮርስ መሰረታዊ ኮማንዶታት ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምረቓ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፤ ሓይሊ ኣየር ወለድን ኮማንዶን ብኣካላዊ ብቕዓቱ፣ ብፅንዓቱን ብልዑል ወተሃደራዊ ፍልጠቱን ኣንፈት ውግእ ክቕይር ዝኽእል ሓይሊ ምዃኑ ገሊፆም።
እዚ ኩሉ ግዜ ድሉውነትን ብቕዓትን ምልክት ናይ ኩሉ ሰራዊት ምክልኻል እዩ።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ ትማሊ ናብ ሎሚ፣ ካብ ሎሚ ናብ ፅባሕ ዝሰጋገር መርአያ ፅንዓት እዩ። ብሓድነት ዝተሃነፀ፣ ንሕገ መንግስቲ ተኣማኒ፣ ንኽብሪ ሃገር ድማ ዝኾነ ይኹን ዋጋ ንምኽፋል ድሉው ዝኾነ ሓይሊ እዩ።
እዚ ወለዶ ዝተረከቦ ናይ ኣርበኝነት ሓደራ ብብቕዓት እናተዋፀአ፣ ኢትዮጵያ ንዘልኣለም ብኽብሪ ክትነብር ዘይናወፅ ዘብዒ ኮይኑ ይቕፅል ኣሎ።
ብኣፈወርቅ እያዩ