ቼልሲ ኣርጀንቲናዊ ሓላዊ ልዳት ኢሚሊያኖ ማርቲኔዝ ኣፈሪሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 24፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቼልሲ ኣርጀንቲናዊ ሓላዊ ልዳት ኢሚሊያኖ ማርቲኔዝ ካብ ኣስቶንቪላ ምፍራሙ ዕላዊ ገይሩ።
ኢሚሊያኖ ማርቲኔዝ ኣብ ምዕራብ ለንደን ንዝርከብ ክለብ ቼልሲ ንኽልተ ዓመት ዘፅንሖ ውዕሊ ተፈራሪሙ።
ቼልሲ ነቲ 33 ዓመት ዝዕድሚኡ ሓላዊ ልዳት ንምፍራም 7 ነጥቢ 5 ሚሊየን ፓውንድ ወፃኢ ገይሩ።
ኢሚሊያኖ ማርቲኔዝ ኣብ ኣስቶን ቪላ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ንጋንታኡ 256 ግጥማት ከምዝተፃወተ ይዝከር።