Fana: At a Speed of Life!

ባርሴሎና ንጋብርኤል ጄሱስ ካብ ኣርሰናል ኣፈሪማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ስፔናዊት ጋንታ ባርሴሎና ንብራዚላዊ ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ጋብርኤል ጄሱስ ካብ ኣርሰናል ምፍራማ ዕላዊ ገይራ።

ባርሴሎና እቲ ተፃዋታይ ንምዝውዋር 8 ነጥቢ 6 ሚልዮን ፓውንድ ወፃኢ ገይራ።

ጋብርኤል ጄሱስ ድማ ኣብታ ጋንታ ክሳብ 2029 ዓ.ም ዝፀንሕ ውዕሊ ፈሪሙ።

ወዲ 29 ዓመት ተፃዋታይ ኣብ ኣርሰናል 123 ግዘ ተሰሊፉ 32 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ነይሩ።

ጋብርኤል ጄሱስ ኣርሰናል ድሕሪ 22 ዓመታት ፅዋዕ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣብ ዝተዓወተሉ እዋን ኣካል እቲ ጉጅለ ነይሩ።

ምስ ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ዝነበሮ ግዘ እውን ፅዋዕ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ፣ ኤፍ ኤ ካፕ፣ ካራባኦ ካፕን ኮሚኒቲ ሺልድን ክዕወት ክኢሉ እዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.