ኣርሰናል ሳልሳይ ተኸታታሊ ዓወታ ኣመዝጊባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሳልሳይ ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ትፅቢት ዝተገበረሉ ፀወታ ኣርሰናልን ንቼልሲን ብዓወት ጋንታ ኣርሰናል 2 ን 1 ተዛዚሙ።
ኣብ ስታዲየም ኤምሬትስ ካብ ምሸት ሰዓት 12፡30 ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ፤ ንዓወት ኣርሰናል ዘረጋገፃ ሸቶታት ካይ ሃቨርትዝን ማርቲን ኦዴጋርድን ኣመዝጊቦምወን።
ንቼልሲ ካብ ስዕረት ከየድሐነት ብሕታዊት ሸቶ ድማ ሞርጋን ሮጀርስ ኣብ መርበብ ኣእትዩዋ።
ነዚ ውፅኢት ስዒቡ ኣርሰናል ኣብቲ ሊግ ዝገበረቶም ሰለስተ ተኸታተልቲ ፀወታታት ብዓወት ዛዚማ።
ጋንታ ምዕራብ ለንደን ቼልሲ ድማ ኣብቲ ሊግ ድሕሪ ክልተ ተኸታተልቲ ዓወታት ንፈለማ እዋን ስዕረት ኣተኣናጊዳ።
ቅድም ኢሉ ኣብ ዝተኻየደ ካሊእ ፀወታ ድማ፤ ማንቸስተር ዩናይትድን ኤቨርተንን 2 ን 2 ብዝኾነ ማዕረ ውፅኢት ምፍልላየን ይፍለጥ።