መዓልቲ ብራኸ ኣብ ፕሮጀክት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ተኸቢሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መዓልቲ ብራኸ ኣብ ፕሮጀክት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ብዝተፈላለዩ መደባት ተኸቢሩ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዓውዲታት ቱሪዝም፣ ሕርሻ፣ መዓድንን ነዳዲን፣ ማይን ሓይሊን፣ ትራንስፖርት፣ ከምኡ እውን ከተማን መሰረተ ልምዓትን ዝተመዝገቡ ዓወታትን መፃኢ ኣንፈታትን ዝምልከት ፓነል ዘተ ተኻይዱ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዝተመዝገቡ ዓወታት ዘርኢ ዓውደ ምርኢት ስእሊ ዝተኸፈተ እንትኸውን፤ ተሳተፍቲ እቲ መርሃ ግብሪ ድማ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ከይዲ ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ተዓዚቦም።
ብመልካም ፈቃዱ