Fana: At a Speed of Life!

300 ዝኾኑ ዕጡቓት ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንእዚ ሰሜን ምዕራብ ኢዶም ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ፀረ ሰላም ዝኾነን ዘይሕጋዊን ጉጅለ ህወሓት ንውግእ ዝገብሮ ዘሎ ምድላው ብምቅዋም ምስቲ ጉጅለ ብምዃን ዘይምውጋእ ዝመረፁ ኣስታት 300 ዕጡቓት ጉጅለ ህወሓት ብኣንፈት ተከዘ ንዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ምዕራብ ኢዶም ሂቦም።

ዕጡቓት ዘይሕጋዊት ጅለ ህወሓት ኣብ ምዕራባዊ ግንባር ኣንፈት ተከዘ፣ ፍሉይ ቦታ ድልድል ተከዘ ኣብ ፀጋምን የማንን ኣንፈት እዮም ንሰራዊት እቲ እዚ ኢዶም ሂቦም ዘለዉ።

እቶም ዕጡቓት ሻዕቢያ ፀላኢ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኮይኑ ንህዝቢ ትግራይ ክጭፍጭፍ ዝፀንሐ ምዃኑ እናፈለጡ፤ “ፀምዶ” ብዝብል ሓሳብ ዝፈጠሩዎ ምሕዝነት ንህዝቢ ትግራይ ዘይጠቅምን ዝጎድእን ምዃኑ ብምግንዛብ፤ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ቀዲሞም ብዝመስረትዎ ርክብ ብምዝርራብን መንገዲ ብምጥጣሕን ኢዶም ከምዝሃቡ ገሊፆም።

ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ብጠበንጃ ዘይኮነስ ብምዝርራብን ብምርድዳእን እዩ ክፍታሕ ዝኽእል ዝብል እምነት ብምሓዝ ንእዚ ሰራዊት ሰሜን ምዕራብ ኢዶም ከምዝሃቡ እውን ገሊፆም።

እቲ ዕዝ ከም ዝሓበሮ፤ እቶም ዕጡቓት ልዕሊ 280 ናይ ውልቀ ሰብን ጉጅለን ኣፅዋራት፣ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጠያይቲ፣ መነፀር ኲናትን ዝተፈላለዩ ሰነዳትን ሒዞም ከምዝኣተዉ ኣፍሊጡ።

ንርእሶም ካብ ተሓታትነት ንምድሓን ንሰላማዊ ህዝቢ ትግራይ መናእሰይ ብምግፋፍ ናብ ኲናት ንምእታው ዝሰርሑ ዘረፍቲን ወርቂ ኣውፃእቲን ኣመራርሓ ህወሓት ዘለዎም ድሌት ብምቅዋም ኢዶም ከምዝሃቡ ዝገለፁ ዕጡቓት ዘይሕጋዊት ጅለ ህወሓት፤ ሕዚ እውን እቲ ዘይምስምማዕ ክፍታሕ ዝኽእል ብድሌት ሒደት ጨቆንቲ መራሕቲ ህወሓት ዘይኮነስ ብምዝርራብ ጥራይ እዩ ዝብል ምሉእ እምነት ብመሓዝ ኢዶም ከምዝሃቡ ኣመልኪቶም።

ኢዶም ካብ ሞንጎ ዝሃቡ ዕጡቓት ዘይሕጋዊት ጅለ ህወሓት፤ ካብ ኣዘዝቲ ክፍለ ሰራዊት ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ዝርከቡ ኣመራርሓ ሻለቃን ሻምበልን ከም ዝርከቡዎም ተገሊፁ።

እዚ ድማ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ብዘይድሌቱ ብስርዓት ኣገዛዝኣ ዘይሕጋዊት ጅለ ህወሓት ተገዲዱ ክዋጋእ ይግበር ከምዘሎ ዘመላኽት ምዃኑ እቲ እዚ ኣገንዚቡ።

ዘይሕጋዊት ጅለ ህወሓት ካብ ዕንክሊል ኲናት ንምውፃእ ድሌት ዘይብሉ “ፅምዶ” ብዝብል ኣካይዳ ንህዝቢ ትግራይ ሕዚ እውን ናብ ዝኸፍአ ፀገም ንምእታው ይፍትን ዘሎ ዝገብሮ ምንቅስቓስ፣ ዝቐረበሉ ኣማራፂ ሰላም ዘይቕበልን ኣብ ህዝቢ ትግራይ ተቐባልነት ዝሰኣነን ምዃኑ እቶም ኢዶም ዝሃቡ ዕጡቓት ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ንስርዓት ኣገዛዝኣ ዘይሕጋዊት ጅለ ህወሓት ብምፅላእን ሰላም ብምምራፅን ኢዶም ንምሃብ ዝፅበዩ ብዙሓት መናእሰይ ትግራይ ኣለዉ ዝበሉ እቶም ዕጡቓት፤ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምንፃልን ሰላም ንምስኣንን ህወሓት ንመናእሰይ እናገደደት ብዘይድሌቶም ንኲናት እናዳለዎም ከምዝርከብ ኣመልኪቶም።

ብሓይሊ ተገዲዱ ዝኣተወ መንእሰይ ትግራይ እውን ነዚ ተረዲኡን ፈሊጡን ግዘን ኩነታትን እንትመዓራረየሉ ኢዱ ንምሃብ ድሉው ምዃኑ እቶም ዕጡቓት ምግላፆም ኦንላይን ሚድያ ሰራዊት ምክልኻል ንፋና ዲጂታል ኣፍሊጡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.