ብሬንትፎርድ ምስ ቼልሲ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ 5ይ ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ምሸት ብሬንትፎርድ ምስ ቼልሲ ዝገብርዎ ፀወታ ትፅቢት ይግበር።
ፀወታ ክልቲኤን ጋንታታት ምሸት 4 ሰዓት ኣብ ጂቴክ ኮሙኒቲ ስታዲየም ክካየድ እዩ።
ቼልሲ ኣብቲ ሊግ ካብ ዝገበረቶም 4 ፀወታታት 7 ነጥቢ ብምእካብ ኣብ 6ይ ደረጃ ክስራዕ እንከላ፣ ብሬንትፎርድ ድማ 6 ነጥቢ ብምሓዝ ኣብ 7ይ ደረጃ ይርከብ።
ክልቲኦም ጋንታታት ኣብ ዝሓለፉ 5 ፀወታታት ዝገበርኦ፣ ቼልሲ ኣብ ክልተ ፀወታታት ክትዕወት እንከላ፣ ሰለስተ ፀወታታት ብማዕረ ውፅኢት ተዛዚሞም።
ብሬንትፎርድ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ፀወታታት ዝኾነ ስዕረት ኣየጋጠሞን። ካብኣቶም ሓደ ፀወታ ክዕወት እንከላ፣ ኣብ ሰለስተ ፀወታታት ምስ ተፃወቱ ነጥቢ ተኻፊሉ።
ኣብ 4ይ ሰሙን ፀወታ ሊግ ነጥቢ ተኻፊሎም ዝወፁ ክልቲኦም ጋንታታት ናብ ዓወት ንምምላስ ዝገብርዎ ብርቱዕ ፉክክር ትፅቢት ይግበር።
ኣብ ናይ ምሸት ፀወታ ቼልሲ እንተዓዊታ፣ ደረጃኣ ናብ 3ይ ክተዕብዮ እያ። ብሬንትፎርድ ድማ ድሕሪ ተኸታታሊ 3 ማዕረ ውፅኢታት፣ ናይ መጀመርታ ዓወታ ንምርካብ ክወዳደር እያ።