ውድድር ፅዋዕ ኣፍሪካ በቢ ክልተ ዓመት ክካየድ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኮንፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ውድድር ፅዋዕ ኣፍሪካ በቢክልተ ዓመት ክካየድ ወሲኑ።
ፕሬዚዳንት ካፍ ፓትሪስ ሞትሴፔ ከምዝገለፅዎ፣ እቲ ውድድር በቢ ኣርባዕተ ዓመት ክካየድ ኣቐዲሙ ውሳነ ተወሲኑሉ እኳ እንተነበረ፣ ረብሓ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካን ኣብ ክለባት ኤውሮጳ ዝፃወቱ ኣፍሪቃውያን ተፃወትቲን ንምሕላው ናብቲ ቀደም ዝነበረ ኣሰራርሓ ተመሊሱ ኣሎ።
ኣብ ክንዲ ፅዋዕ ኣፍሪካ በቢ ክልተ ዓመት ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ውድድር ሊግ ኣፍሪካውያን ሃገራት ባዕሉ ክኢሉ ንምኻድ ዘኽእሎ ልዑል ዓቕሚ ፋይናንስ ንምፍጣር ብዙሓት ዓመታት ከም ዘድልይዎ ኣመልኪቶም።
ብመሰረት እዚ ዝቕፅል ናይ 2027 ውድድር ፅዋዕ ኣፍሪካ ብኬንያ፣ ታንዛንያን ዩጋንዳን ኣዳላውነት ክካየድ እንከሎ ተኸታተልቲ ውድድራት ድማ ኣብ 2028፣ 2031ን 2033ን ክካየዱ እዮም።