ኢትዮጵያ ኣብ ጉባ ብሪክስ ቀንዲ ሻምፒዮን እያ – ዲፕሎማት ቻይና
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም 8፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኩለመዳያዊ ስትራቴጂካዊ ሽርክነት ኢትዮጵያን ቻይናን ብፅኑዕ ፖለቲካዊ ቆራፅነትን ኣመራርሓን መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ብዙሓት ማዕቐፋት ምትሕብባር ጭቡጣት ውፅኢታት እናመዝገበ ይርከብ ኢሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ቻይና።
ተጠባባቒ ዋና ሓላፊ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ሰን ሚንግሺ፤ ብዛዕባ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን፣ ኣብ ምትሕብባር ብሪክስን ቅዋም ቻይናን ንመራኸቢ ሓፋሽ ውሽጢ ሃገር መብርሂ ሂቦም።
ሰን ሚንግሺ ኣብ ማብርሂኦም ብዙሕ ዘፈራት ዝሓቖፈ ዝምድና ኢትዮጵያን ቻይናን ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናተጠናኸረ ይመፅእ ከም ዘሎ ኣገንዚቦም።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ህንዲ ኒው ዴልሂ ዝተኻየደ መበል 18 ዋዕላ ብሪክስ ልዑል ዓወት ዘመዝገበት ኢትዮጵያ ምዃና ኣዘኻኺሮም።
ንኣብነት ድማ ካብ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ንከይዲ ኣባልነት ትካል ንግዲ ዓለም ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዓለም ለኸ ሲቪል ኣቪየሽን ንኢትዮጵያ ብሕታዊት ሕፅይቲ ኣፍሪካ ምዃና ድጋፍ ምግባር፣ ከምኡውን ንዋዕላ ኮፕ 32 ምሉእ ደገፍ ምርካባ ፀሪሖም።
ኣብ 2023 ዓ.ም.ፈ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዘካየድዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ምስ ፕሬዚደንት ሺ ጂንፒንግ ዝገበርዎ ዘተ፤ ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ተለዋዋጢ ኩነታት ናብ ዘይብዳህ ስትራቴጂካዊ ሽርክነት ንኽሰጋገር ኣበርክቶ ከምዝገበረ ኣመልኪቶም።
እዚ ውሳነ ኣብ መሰረተ ልምዓት፣ ንግዲን ሎጂስቲክስን፣ ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ሰብ ሰራሕ ብልሒ (AI)፣ ዝሕደስ ሓይሊ፣ ከምኡ እውን ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝግበር ዓውደታት ምትሕብባር፣ ሰፊሕን ሓዱሽን ምዕራፍ ከምዝኸፈተ ኣብሪሆም።
ኣብ መዳይ ሓደሽቲ ዓውዲታት ምትሕብባር እውን ኢትዮጵያ መስራቲት ኣባል ዓለም ኣቀፍ ትካል ምትሕብባር ሰብ-ሰራሕ ብልሒ ምዃና፣ እታ ሃገር ምስ ስግግር ዲጂታል ኢኮኖሚ ዝተኣሳሰሩ ዓለም ለኸ መድረኻት ዘለዋ ተሳትፎ ከም ዘጠናኽር ገሊፆም።
ክልተኣዊ ምትእስሳር ክልቲአን ሃገራት ኣብ ብሪክስ፣ ምትሕብባር ቻይናን-ኣፍሪካን ካልኦት ዓለም ለኸ መድረኻትን እናተጠናኸረ ከም ዝቕፅል እዚ ድማ ሃገሮም ፅኑዕ ቅዋም ከምዘለዋ እቶም ዲፕሎማት ኣብ መብርሂኦም ኣረጋጊፆም።
ብመሳፍንት ብርሌ