“ሲምቦ ፋና” ኣብ ዝርዝር ሕፁያት ዝበለፀ ፕሮግራም ቴሌቪዥን ጉዕዞ 2018 ተኻቲቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ብክፍሊ መዘናግዒ ኣፋን ኦሮሞ ዝዳሎ መደብ “ሲምቦ ፋና” (Simboo Faanaa)፤ ኮሚሽን ቱሪዝም ኦሮሚያ ኣብ ዘዳለዎ ውድድር ዝበለፀ ናይ ጉዕዞ ፕሮግራም ቴሌቪዥን ሐፁይ ኮይኑ።
መደብ ቴሌቪዥን “ሲምቦ ፋና” ብዛዕባ ባህሊ፣ ታሪኽን ልምዲን ህዝቢ ኦሮሞን ህዝብታትን ብሔረሰባትን ኢትዮጵያን ዘድሀበ እዩ።
እቲ ፕሮግራም ኩሉ ግዘ ሰንበት ካብ ሰዓት 11፡00 ክሳብ 1፡00 ምሸት ኣብ ቴሌቪዥን ፋና ይመሓላለፍ።
ኮሚሽን ቱሪዝም ኦሮሚያ በቲ መደብ ንዝዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣፍልጦ ብምሃብ መደብ ሲምቦ ፋና ኣብ ዘፈር ዝበለፁ ይ ቴሌቪዥን መደባት ጉዕዞ 2018 ንሽልማት ሕፁይ ብምግባር ኣካቲቱዎ።
ንስኻትኩም እውን ነዚ ዘንቕ መደብ ብምድጋፍ ቀፂሉ ንዘሎ ሊንክ ብምጥዋቕ ድምፂ ክትህቡ ትኽእሉ።
ድምፂ ንመሃብ እዚ ሊንክ ይጠውቑ፦ https://vote.visitoromia.org/best-travel-tv…/simboo-fmc