ሕብረት ኣፍሪካ ብዛዕባ ድሕንነት ቀይሕ ባሕሪ ምስ ሕብረት ኤውሮፓን ሕቡራት መንግስታትን ተዛቲዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕብረት ኣፍሪካ፣ ሕብረት ኤውሮፓን ሕቡራት መንግስታትን ብዛዕባ ሰላምን ድሕንነትን ቀይሕ ባሕሪን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካን ሰለስተኣዊ ዘተ ኣካይዶም።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ምስ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ፣ ምስ ፕሬዚደንት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮፓ ኣንቶኒዮ ኮስታን ምስ ፕሬዚደንት ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮፓ ኡርሱላ ቮን ደር ላየንን ተዛቲዮም።
ጎድና ጎድኒ መበል 81 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ዝተኻየደ እቲ ዘተ፤ ብፍላይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕሪን ሰላምን ድሕንነትን ንምርግጋፅ ምትሕብባር ንምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ መገዲ ዘድሀበ ምዃኑ ተገሊፁ።
በዚ ድማ ጎንፂታት ጠጠው ብምባል ዘኽእሉ ዞባዊ ፃዕርታት ሰላም ንምጥንኻር ብዛዕባ ዝግበሩ ፃዕርታት እውን ተመያይጦም እዮም።
ካብዚ ብተወሳኺ ንልምዓት ኣፍሪካ ዘድሊ ፋይናንሳዊ ቀረብን ትካላት ፋይናንስ እታ ኣህጉር ንምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያትን ከምኡ እውን ብዛዕባ ምምሕያሽ ዓለም ለኸ ስርዓት ፋይናንስ ተዘራሪቦም።
ካልእ ኣጀንዳ እቲ ሰለስተኣዊ ዘተ ውሕስነት ምግቢን ለውጢ ኩነታት ኣየርን እዩ። ብዛዕባ ፍርያትን ቀረብን ዘበናዊ ዱኽዒ ከምኡ እውን ብዛዕባ ምትሕብባር ኣብ ዘፈራት ሕርሻ ከምዝተዘራረቡ ሓበሬታ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ የመላኽ።
እቶም ትካላት ሰለስተኣዊ ምትሕብባሮም ብዝያዳ ኣጠናኺሮም ንምቕፃል ቁርፀኛታት ምዃኖም እውን ደጊሞም ኣረጋጊፆም።