Fana: At a Speed of Life!

ትርጉም ቀለማት ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 19 ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ሎሚ መዓልቲ ኣብ መላእ ሃገር ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተኸበረ ይርከብ።

እቲ ዕለት “ሰንደቕ ዕላማና ንብሄራዊ ምርድዳእን ንሓድነትናን” ብዝብል መሪሕ ቃል እዩ ዝኽበር።

ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ትርጉም ቀለማት ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያን ኣብ ማእኸሉ ዝርከብ ኣርማን ትርጉሞም እንታይ እዩ?

  1. ሓምለዋይ ቀለም፦ ምልክት ስራሕ፣ ልምላመን ልምዓትን እዩ።
  2. ብጫ ቀለም፦ ምልክት ተስፋ፣ ፍትሒን ማዕርነትን እዩ።
  3. ቀይሕ ቀለም፦ ንምዕሳል ናፅነትን ማዕርነትን ተባሂሉ ዝግበር መስዋእትነትን ጀግንነትን ይውክል።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ማእኸል እቲ ሰንደቕ ዕላማ ዝርከብ ኣርማ ዘለዎ ትርጉም ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

  1. እቲ ክቢ፦ ሰማያዊ ድሕረ-ባይታ ሰላም የመልክት።
  2. ቀጥታን ማዕረን ዝኾኑ መስመራትን፦ ማዕርነት ብሄራት፣ ብሄረሰባት፣ ህዝብታትን ሃይማኖታትን የመልክቱ።
  3. በቶም ቀጥታን ማዕረን ዝኾኑ መስመራት ዝተሃንፀ ኮኾብ፦ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ብድሌቶም ዝመስረትዎ ሓድነት የመልክት።
  4. ብጫ ጨረር ድማ፦ እቶም ብድሌቶም ብሓድነት ዝተመስረቱ ብሄራትን ብሄረሰባትን ዝበርሀሎም ብሩህ ተስፋ የመልክት።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.