Fana: At a Speed of Life!

ሰንደቕ ዕላማና ዘኹርዑ ታሪኻት፣ ዓወታት፣ ተጋድሎታትን መንነትን ኢትዮጵያ ዝውክል እዩ – ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰንደቕ ዕላማና ዘኹርዑ ታሪኻት፣ ዓወታት፣ ተጋድሎታትን መንነትን ኢትዮጵያ ዝውክል እዩ ኢሎም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)፡፡

መበል 19 ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ላዕለዎት ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኣብ ዝተረኸብሉ ተኸቢሩ።

ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ሰንደቕ ዕላማ ሓፍ ኣቢልካ ንምውልብላብ ኣስተዋፅኦን ተሳትፎን ኩሎም ኢትዮጵያውያን ልዑል ግደ ኣለዎ ኢሎም።

ኢትዮጵያውያን ሉኣላውነትን ዶባትን ሃገሮም ብግቡእ እናሓለዉ፣ ሃገሮም እናማዕበሉን እናበልፀጉን፣ ታሪኾም እንተቐፅሉ ኣብ ሰንደቕ ዕላማኦም ዘለዎም ኩርዓት ዝያዳ ዕዙዝ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ጌዴዎን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ሉኣላውነት ሃገርን ክብሪ ባንዴራን ንምሕላው ኣብ ዶባት መስዋእቲ እናኸፈሉ ንዝርከቡ ጀጋኑ ብምዝካር፣ ሕድሕድ ኢትዮጵያዊ ኣብ ዝተዋፈረሉ ዓውደ ስራሕ ዝተነበረሉ ሓላፍነት ብግቡእ ክዋፃእ ኣተሓሳሲቦም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.