ምስክር ናፅነትናን ሉኣላውነትናን ዝኾነ ሰንደቕ ዕላማና ብልዑል ክብሪ ክብ ኣቢልና ብምኽባርና ኩርዓት ይስምዓና
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ምስክር ናፅነትናን ሉኣላውነትናን ዝኾነ ሰንደቕ ዕላማና ብልዑል ክብሪ ክብ ኣቢልና ብምኽባርና ኩርዓት ይስምዐና ኢሎም ንፋና ዲጂታል ርእይቶኦም ዝሃቡ ክፋላት ሕብረተሰብ።
መበል 19 መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ “ሰንደቕ ዕላማና ንብሄራዊ ምርድዳእን ሓድነትናን” ብዝብል መሪሕ ቃል ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ይኽበር ኣሎ።
ሰንደቕ ዕላማና ካብ ዓድዋ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ምስክር ናፅነትናን ሉኣላውነትናን እዩ ኢሎም እቶም ርእይቶኦም ዝሃቡ ኣካላት።
ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ኣብ ዝኾነ ዓውዲ ንሃሉ ንብራኸ ኢትዮጵያ ብሓባር ደው ክንብል ይግባእ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
ሰንደቕ ዕላማ ሓሳባዊ ምልክት ሃገርን መስትያት ታሪኻ ዘንፀባርቕን እዩ ዝበሉ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ፤ ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ንናፅነት ፈለማይ መገዲ ዝኸፈተ ኣርማ ምዃኑ እውን ኣልዒሎም።
ሰንደቕ ዕላማና ሓባራዊ ታሪኽና፡ ምልክት ሉኣላውነትናን መሰረት ሓድነትናን እዩ ኢሎም።
ኣብ ውሽጢ ኣፈላላያትና ሓድነትና ብምጥንኻር፣ ንሰላምን ሓባራዊ ምዕባለን ብሓድነት ጠጠው ብምባል ሃገርና ናብ ብራኸ ንምውሳድ ክንሰርሕ ኣለና ክብሉ ወሲኾም።
ብምዃኑ ድማ ሎሚ ሰንደቕ ዕላማና ክብ ኣቢልና እንትንሰቅል ንፅባሕ ዝማዕበለትን ሰላማ ዝተሓለወን ኢትዮጵያ ሓዱሽ ተስፋ ንሰንቕ ክብሉ ገሊፆም።