Fana: At a Speed of Life!

ምስ ብሄራዊ ድሕንነት ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ጉዳይ በሪ ባሕሪ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምስ ፍትሓዊ ተረባሕነት፣ ታሪኽ፣ ጂኦግራፊን ብሄራዊ ድሕንነትን ብቐጥታ ዝተኣሳሰረ ሓበራዊ ኣጀንዳ እዩ።

ፍትሓዊ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸን ኣህጉራውን ዲፕሎማስያዊ መድረኻት ቀንዲ ኣጀንዳ ክኸውን ተኻኢሉ ኣሎ።

ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ እንተይሃለዋ ዘላቒ ልምዓትን ኩለመዳያዊ ምዕባለን ህዝባ ክተረጋግፅ ኣፀጋሚ ምዃኑ፤ እቲ ሕቶ ምላሽ ምርካቡ ድማ ኩለመዳያዊ ልኣላውነትታ ኣብ ምሕላው ዓብዪ ጂኦ ስትራቴጂካዊ ግደ ከም ዝፃወት የመልክት።

ህልውናን ምዕባለን ኢትዮጵያ ምስ ሩባ ኣባይን ቀይሕ ባሕሪን ብጥብቂ ዝተኣሳሰረ እኳ እንተኾነ፤ ንዝሓለፉ ኣስታት ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ይኹን በሪ ባሕሪ ምዝርራብ ከም ሕፍረት ይቑፀር ነይሩ።

መንግስቲ መደመር እቲ ሕቶ ህልውና ዝኾነ ጉዳይ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ቀንዲ ኣጀንዳ ብምግባር ማሕበረሰብ ዓለም ትኹረት ክህቦ ገይሩ እዩ።

እቲ ጉዳይ መዓልታዊ ሃገራዊ ኣጀንዳ ክኸውን ምግባሩ፤ ሕቶ በሪ ባሕሪ ናይ ሕንቃቐ ጉዳይ ዘይኮነስ ምስ ታሪኽና፣ ጂኦግራፊናን መንነትናን ምስምዕማዕን ባዕልና ምድላይን ዝምልከት ጉዳይ ምዃኑ ዓለም ክርዳእ እናተሰርሐ እንትኸውን፤ እቲ ሕቶ ምላሽ ክሳብ ዝረክብ ድማ ኢትዮጵያ ፃዕራ ክትቅፅል እያ።

ኢትዮጵያውያን ብሰንኪ ውሽጣዊ ምክፍፋልን ደጋዊ ፅዕንቶታትን ምስ መንነቶም ብቐጥታ ዝተኣሳሰረ ቀይሕ ባሕሪ ዝምልከት ጉዳይ ብዲፕሎማስያዊን ሰላማዊን መገዲ ምላሽ ንኽረክብ ፃዕሮም ክቕፅሉ እዮም።

ብዝተናበበን ዝተዋሃሃደን ሜላ ውዲት ኢትዮጵያ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ክትርሕቕ ምግባራ ቅኑዕ ከም ዘይኮነ ማሕበረሰብ ዓለም ክርዳእ ምጅማሩ እቲ ሕቶ ምላሽ ክረክብ ዝግበር ፃዕሪ ተስፋ ዝህብ ኩነታት እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ብዕሊ ምድጋፍን ኣብታ ሃገር ውዲት ዝኣልሙ ሓይልታት ባንዳታትን ባዕዲታትን ዝገብሩዎ ተንኮል ብልዑል ሓድነት ኢትዮጵያውያን እናተመከተ ይርከብ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ቅድሚ ሕዚ ብተደጋጋሚ ከም ዝገለፁዎ፤ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምላሽ ምርካቡ ኣይተርፍን።

ልዕሊ 130 ሚልየን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ካብ በሪ ባሕሪ ብምርሓቕ ተዓፅያ ምንባራ፤ ምስ ፍትሓዊ ተረባሕነት፣ ታሪኽ፣ ጂኦግራፊን ብሄራዊ ድሕንነትን ብቐጥታ ዝተኣሳሰረ ጉዳይ ብምዃኑ ምላሽ የድልዮ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.