ምዝዛም ጭቆና ዘሕጋዊ ጉጅለ ህወሓትን ሓዱሽ ተስፋ ህዝቢ ትግራይን
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት «ፅምዶ» ብዝብል እኩይ መፀውዒ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢ ሃገርን ምስ ዝርከቡ ባንዳታት ከምኡ እውን ምስ ወፃኢ ሃገራት ብምትሕብባር ንኢትዮጵያ ንምፍራስን ሰላም ህዝባ ንምዝራግን ዘፃወዶ ናይ ጥፍኣት ሽርሒ እናፈሸለ ይርከብ።
ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ትግራይ ዝረአ ዘሎ ስምዒት ህዝቢን ዝተኻየዱ ሰላማዊ ሰልፊታትን ናይዚ ሓዱሽ ምዕራፍ መብሰሪ እዮም።
ህዝቢ እቲ ክልል ናብ ኣደባባይ ብምውፃእ ኣብ ልዕሊ ጨቋኒን ቀታሊን ስርዓት ህወሓት ዘለዎ ተቓውሞ ብምግላፅ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ንፌደራል መንግስቲን ዘለዎ ምሉእ ድጋፍ ገሊፁ።
ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፉ ነበርቲ እታ ከተማ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ትሕቲ ጨካን ኣገዛዝኣ ስርዓት እቲ ጉጅለ ንመናእሰይ ብግዲ ናብ ግንባር እናተገፈፉ ኣብ ዘይውዳእ ሓዊ ክፀንሑ ምግባሩ ኮኒኖም እዮም።
ብግፋ ዝወሰዱዎም ህፃናት ኣይተመለሱን፤ ኣዝዩ ዘስካሕኽሕ ህይወት ኢና ንነብር ኔርና ዝበሉ እቶም ነበርቲ፤ ኣዴታት ደቀን ናብ ውግእ ከይኸዱ ብምፍራሕ ኣብ ስግኣት ይነብራ ከም ዝነበራን ሎሚ ደቀን ብሰላም ንኸዕብያ ተስፋ ከምዝረኸባ ተዛሪቦም።
ብምኽንያት ኣገዳዲ ወታደራዊ ምልመላ ብምፍራሕ መናእሰይ ኣብ ጫካ ተሓቢኦም ዝሓድሩሉ፣ ናብ ወፃኢ ወፂኦም ክሰርሑ ዘይኽእሉሉ ናይ ፀልማት ዘመን ምዝዛሙ መናእሰይ እተን ከተማታት ብሓጎስ ገሊፆም።
መራሕቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ደቆም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ወፃኢ ሃገራትን ዝሐሸ ህይወት እናንበሩ ደቂ ድኻታት ግን ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት እናወደቑ ክቕፅሉ ምግባሮም እቲ ጉጅለ ዘለዎ ናይ ደም ምንጋድ ባህሪ ከምዘርኢ እቶም ነበርቲ ኣመልኪቶም።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ካብ ኢትዮጵያዊ መንነቶም ናይ ምፍላይን ሃገር ናይ ምፍራስን እኩይ ዕላማኡ «ፅምዶ» ብዝብል ሽፋን ንመፈፀሚ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ብምሉእ ከምዝቃወሙዎ እቶም ነበርቲ ኣረጋጊፆም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብታ ከተማ ንዓመታት መሰረተ ልምዓት፣ ኣገልግሎት ማይን መብራህቲን ከይተማልአ ህዝቢ ኣብ ፀገም ክማስን ከምዝገበረ ዝሓበሩ እቶም ነበርቲ፤ ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ኣሕዋት ህዝብታት ኢትዮጵያ ብማዕረ ናይ ምልማዕን፣ ናይ ምዕባይን ኢሉ እውን ብሰላም ናይ ምንባርን ድሌት ከም ዘለዎ ኣፍሊጦም።
እዚ ህዝቢ ዝደልዮ ልምዓትን ሰላምን ጥራይ እዩ፤ መራሒና ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) እዮም ብምባል ዘለዎም ፅኑዕ ሃገራዊ ቅዋም ኣርእዮም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ትግራይ ሰላምን ርግኣትን ተመሊሱ ህዝቢ ብናፅነት ናይ ምንቅስቓስ መሰሉ ረኺቡ ኣሎ።
እዚ ምልክት ናፅነትን ሰላምን እቲ ህዝቢ ምስ ዘርኣዮ ድጋፍ ተደሚሩ እቲ ጨቋኒ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ህዝቢ ዝተመስረተ ድጋፍ ከም ዘይብሉ ዘርኢ ምልክት እዩ።