Fana: At a Speed of Life!

ኣይኤምኤፍ ንኢትዮጵያ ኣብ ኩለመዳያዊ ስግግርን ዕቤትን ኢኮኖሚ ዝገብሮ ሓገዝ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይኤምኤፍ) ንኢትዮጵያ ኣብ ኩለመዳያዊ ስግግርን ዕቤትን ኢኮኖሚ ዝገብሮ ሓገዝ ብዘላቕነት ከምዝቕፅል ኣረጋጊፁ።

ዓመታዊ ጉባኤ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይኤምኤፍ)ን ባንኪ ዓለምን ኣብ ታይላንድ ባንኮክ ይካየድ ኣሎ።

ብገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓመታዊ ኣኼባ ይሳተፍ ኣሎ።

ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ጎድና ጎድኒ እቲ ዓመታዊ ኣኼባ፤ ምስ ምክትል ማኔጂንግ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ናይጀል ክላርክ ዘትዮም።

ናይጀል ክላርክ ኢትዮጵያ ኣጀንዳ ሪፎርም ኢኮኖሚ ንምቕፃል ዘርኣየቶ ብርቱዕ ተበግሶ፣ ፃዕርን ፅንዓትን ንኢዶም።

እታ ሃገር ዘጋጠሙዋ ብድሆታት ብግቡእ ብምውፃእ ዘርኣየቶ ቆራፅነት ከምዝፀርሑ እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣይኤምኤፍ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ሽርክነት ብዝያዳ ንምጥንኻር፤ ከምኡ እውን ንኩለመዳያዊ ስግግርን ዕቤትን ኢኮኖሚ እታ ሃገር ዝገብሮ ዘላቒ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ኣረጋጊፁ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.