Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ገንዘብ ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ምስ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ምትሕብባር ኢኮኖሚን ልምዓትን ተዛትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ምስ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ምትሕብባር ኢኮኖሚን ልምዓትን ፍራንቲሼክ ሩዚችካ ተዛትየን።

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ትካል ምትሕብባር ኢኮኖሚን ልምዓትን ክህሉ ብዛዕባ ዝግበኦ ማዕቐፍ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ኣልዒሎም።

ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፤ ውፅኢታዊን እሙንን ምምሕያሻት ፖሊሲ ንምትግባር ኣብ መረዳእታ ዝተመስረተ ኣወሃህባ ውሳነን ስርዓት መርትዖን ዘለዎም ወሳኒ ተራ ኣጉሊሆም።

ኢትዮጵያ ስርዓታት መረዳእታኣ ንምጥንኻር ትሰርሕ ከም ዘላ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፤ ምስቲ ትካል ዝግበር ምትሕብባር ነዚ ንምጥንኻር ከም ዝሕግዝ ምሕባረን ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ምትሕብባር ኢኮኖሚን ልምዓትን ፍራንቲሼክ ሩዚችካ ብወገኖም፤ ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ ሓፈሻዊ ጉዕዞ ልምዓት ከምንእዱ ብምግላፅ ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ንምስራሕ ድሉዋት ምዃኖም ኣረጋጊፆም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.