Fana: At a Speed of Life!

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ 1ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 3ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣመራርሓን ኣባላትን ሕፁያት ቀወምቲ ኮሚቴታት ምደባ ኣመልኪቱ ዘቕረቦ ውሳነ መርሚሩ ኣፅዲቑ።

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣብቲ ዘቕረብዎ ውሳነ ሓሳብ ኣብ ከይዲ ኣመራርፃ ሕፁያት ተፀዋዕቲ መንግስቲ ምስ ተወከልቲ መንግስቲን ተወከልቲ ፖለቲካዊ ፓርቲታትን ሰፊሕ ዘተ ከምዝተኻየደ ገሊፆም።

ኣብቲ ከይዲ ብዙሕነት፡ ብቕዓት፡ ናይ ስራሕ ተመኩሮ፡ ኣብ ቤት ምኽሪ መቀመጢ ዘለዎም ተወዳደርቲ ፓርቲታት ኣብ ግምት ዘእተወ ከምኡ’ውን ሓደሽቲን ነባራትን ኣባላት ዘካተተ ንምግባር ፃዕሪ ከምዝተገብረ ኣረዲኦም።

በዙይ መሰረት፡-

ቀነአ ያደታ (ዶ/ር)፡- ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕግን ፍትህ

‎ኣይተ ታርጃት ደቦል፡- ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕግን ፍትህ

‎ኣይተ መለሰ መና፡- ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕርሻ

‎እሱባለው መብራት (ዶ/ር)፡- ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕርሻ

ወ/ሮ እፀገነት መንግስቱ፡- ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ

ኣይተ ጫላ ለሚ፡- ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ

‎ኣይተ ሰለሞን ላሌ፡- ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ንግድ፣ ባህልን ቱሪዝምን

ኣይተ ጣሂር መሀመድ፡- ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ንግድ፣ ባህልን ቱሪዝምን

‎ኣይተ ደሳለኝ ወዳጄ፡- ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ኢንዱስትሪን መዓድንን

‎ወ/ሮ ወላይቴ ኢቶ፡- ምክትል ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ኢንዱስትሪን መዓድንን

‎ወ/ሮ ወሰነች ቶማስ፡- ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሃገራዊ ስትራቴጂ፣ በጀትን ፋይናንስን

ወ/ሮ ዝናሽ ፀጋዬ ፡- ምክትል ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሃገራዊ ስትራቴጂ፣ በጀትን ፋይናንስን

ዲማ ኖጎ (ዶ/ር)፡- ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃኢን ሰላምን

ፈትሒ ማሕዲ (ዶ/ር)፡- ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃኢን ሰላምን

ወ/ሮ የሺሀሳብ ፀጋው፡- ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ትካላት ልምዓት መንግስቲ

እሸቱ ተመስገን (ዶ/ር)፡- ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ትካላት ልምዓት መንግስቲ

ኣይተ ኣለማየሁ እጅጉ፡- ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ከተማ መሰረተ ልምዓትን ሎጂስቲክስን‎

ኣወቀ አምዛዬ (ዶ/ር)፡- ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ከተማ መሰረተ ልምዓትን ሎጂስቲክስን

ኣብርሃም ኣለማየሁ (ዶ/ር)፡-ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢታት መንግስቲ ምምሕዳርን ቁፅፅርን

ወ/ሮ ኣራሬ ሞሲሳ፡- ምክትል ኣቦ መንበር ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢታት መንግስቲ ምምሕዳርን ቁፅፅርን

ኣይተ ንጋቱ ወልዴ፡- ኣቦ ወንበር ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ማይ፡ መስኖ፡ ቆላማ ከባቢታትን ከባቢታት ልምዓትን

ወ/ሮ ነፊሳ ኣልማህዲ፡- ምክትል ኣቦ መንበር ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ማይ፡ መስኖ፡ ቆላማ ከባቢታትን ከባቢታት ልምዓትን

ወ/ሮ መሰረት ኃይሌ፡- ኣቦ ወንበር ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ጥዕና ማሕበራዊ ልምዓትን ስፖርትን

ወ/ሮ ጀሚላ ሲምቢሮ፡- ምክትል ኣቦ ወንበር ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ጥዕና፣ ማሕበራዊ ልምዓትን ስፖርትን

ነገሪ ሌንጮ (ዶ/ር)፡- ኣቦ መንበር ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሓይሊ ሰብ ምደባ ስራሕን ቴክኖሎጂን

ወ/ሮ ዘሃራ ሰምሬ፡- ምክትል ኣቦ መንበር ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሓይሊ ሰብ ምደባ ስራሕን ቴክኖሎጂን ገይሩ ሰይሙ።

እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ኣመራርሓን ኣባላትን ቀወምቲ ኮሚቴታት ንምምዳብ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ቁፅሪ 4/2019 ብምግባር ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቕዎ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.