ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣብ 6 ከተማታት 11 ማእኸላት መምልኢ ሓይሊ ናይ ኤሌክትሪክ መኻይን ስራሕ ኣጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣብ 6 ዋና ከተማታት 11 ማእኸላት መምልኢ ሓይሊ ናይ ኤሌክትሪክ መኻይን ሎሚ መዓልቲ ስራሕ ኣጀሚሩ።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኣገልግሎት ጌቱ ገረመው(ኢ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፤ እቶም ሓደሽቲ ዝተሃነፁ ማእኸላት ነፍሲ ወከፎም ኣብ ሓደ እዋን ሽዱሽተ መካይን ከገልግሉ ዝኽእሉ እዮም።
እዚ ሓዱሽ ዓቕሚ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ 3 ማእኸላት መምላእቲ ሓይሊ ናብ 14 ዘዕብዮ ኮይኑ፤ ኣብ ሓደ እዋን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምምላእ ሃገራዊ ዓቕሚ እውን ካብ 54 ናብ 96 ከምዘዕብዮ ገሊፆም።
እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ብመሰረት ዝተታሕዘ ትልሚ ንምስፋሕ ኣጠቓቕማ ኤሌክትሪክ መኻይን መሰረተ ልምዓት ማእኸላት መምልኢ ሓይሊ ምህናፅን ዘይተቛረፀ ኣቕርቦት ኤሌክትሪክ ምርግጋፅን ወሳኒ ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ከንቲባ ከተማ ቢሾፍቱ ኣለማየሁ ኣሰፋ ብወገኖም፤ እቲ መሰረተ ልምዓት ኣብ ቢሾፍቱ ምህናፁ እታ ከተማ ማእኸል ቱሪዝም ብምዃና፤ እቶም ሓደሽቲ ማእኸላት ንውሽጣዊን ወፃኢ ሃገርን በፃሕቲ ምቹው ኩነታት ከምዝፈጥሩ ገሊፆም።
ብተካልኝ ሃይሉ