Fana: At a Speed of Life!

ራኢ ብዲሲፕሊን ምቕራፅ፡ ካብ ሁርሶ ክሳብ ህንፀት ሃገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ከይዲ ህንፀት ሃገር ማዕቐፋት ፖሊሲ ጥራሕ ዘይኮነስ እዞም ራኢታት ናብ ተግባር ብምውራድ ህዝቢ ናይ ምትሕብባር ዓቕሚ ዘለዎ ዝለዓለ ዓቕሚ ሰብ ዝሓትት ዓብዪ ሃገራዊ ልኡኽቶ እዩ።

ሎሚ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣመራርሓ መንግስቲ መደመር ኣብ ማእኸል መሰልጠኒ ወታደራዊ ሁርሶ ስልጠና ይወስዱ ከምዘለዉ ኣብ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ንምዃኑ እዚ ናይ ኣመራርሓ ስልጠና ወታደራዊ ስልጠና ንጦር ግምባር ጥራሕ ድዩ? ወይስ ሃገር ንምምራሕ እውን ልዑል ትምህርቲ ኣለዎ?

መልእኽቲ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ጉዳይ እዚ እዩ ዘልዕል። ብመሰረት ዝሃቡዎ መብርሂ፤ ስልጣነ ኢትዮጵያ ንምህናፅ ቁሳዊ፣ መንፈሳዊ፣ ባህላዊን ሞራላዊን ምዕባለ ብሓደ እዋን ምርግጋፅ የድሊ።

ነዚ ንምርግጋፅ ድማ ብፍልጠት፣ ብስነ-ምግባርን ብኣካላዊ ብቕዓትን ዝተዳለወ ኣመራርሓ ወሳኒ እዩ።

ንኣመራርሃ እናተውሃበ ዝርከብ ስልጠና ናይዚ ዘበን ተለዋዋጢ ጂኦፖለቲካዊን ማሕበራዊን ፅዕንቶታት ንምፅዋር ዘኽእል ስትራቴጂካዊ ስጉምቲ እዩ።

ነቲ ታሪኻዊ ስልጣነ ኢትዮጵያ እንደገና ንምንቕቃሕ ዝግበር ፃዕሪ ብቁሳዊ ዕቤት ጥራሕ ክውሰን ኣይኽእልን።

ብምዃኑ ድማ ብኣካል ዝደንፈዐ፣ ብሞራል ዝበርትዐ፣ ብፍልጠት ዝተሰሓለን ብጥበብ ዝበሰለን ኣመራርሓ ብምስልጣን ኩለመዳያዊ ምዕባለ ምርግጋፅ ይከኣል።

“ወታደራት ዕላማን ሲቪል ዕላማን ኣለዎም፤ ዕላማ ክልቲኦም ዓወት ምምዝጋብ እዩ” ዝብል ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስተር፤ ነቲ ዕላማ ዝወቅዕን ዕላማኡ ዘሳኽዕን ኣመራርሓ ንምፍጣር ወሳኒ ዝኾነ ውህደት ምዃኑ እኹል መብርሂ ይህብ።

ኣብዚ መዳይ ከም ሲንጋፖር፣ ኣሜሪካ፣ ስዊዘርላንድ፣ እስራኤል፣ ቻይናን ካልኦት ሃገራትን መራሕተን ናይ ምስልጣን ልምዲ ኣለወን።

ወታደራዊ ዲሲፕሊንን ስነ-ፍልጠትን ምስ ሲቪል ምምሕዳር ምውህሃድ ዓበይቲ ሃገራት ትካላተን ንምጥንኻር ዝተጥቀማሉ ብልሒ ዝተመልኦ መገዲ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ይወሃብ ዘሎ ስልጠና እውን ነቲ ኣመራርሓ ካብ ምድንጓይ ቢሮክራሲን ዕሽሽ ምባልን ናፃ ብምግባር ሃገራዊ ራኢ ምስ ዕላማ ብምስምዕማዕ ውፅኢታዊ ሓይሊ ህንፀት ሃገር ንምግባሩ ዝዓለመ እዩ።

ብሶስና ኣለማየሁ

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.