Fana: At a Speed of Life!

ሱ-35 ዘበነዎት ናይ ውግእ ጀታት ንወታደራዊ ዓቕሚ ኢትዮጵያን ዞባዊ ግደኣን ዘዕብዩ እዮም – እስራኤላዊ ጋዜጠኛ ኤዲ ኮሄን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሩስያ ዝተረከበተን ዘበነዎት ነፈርቲ ውግእ ጄታት ሱ-35 (Su-35) ወታደራዊ ዓቕማን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ግደን ብልዐል ደረጃ ዘዕብያ እየን ጋዜጠኛን ተመራማሪን ቻናል 14 እስራኤል ኤዲ ኮሄን።

ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን 12 ነፈርቲ ውግእ ሱ-35 4ይ++ ወለዶ ባህሪ ዘለዎም ነፈርቲ ውግእ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሩስያ ተረኪባ።

ጋዜጠኛን ተመራማሪን ቻናል 14 እስራኤል ኤዲ ኮሄን ኣብዚ ዛዕባ ኣመልኪቱ፤ ኢትዮጵያ ብዲፕሎማስያዊ ፃዕርታታን ብርቱዕ ዓለምለኻዊ ርክባትን ኣቢላ ንዝነበሩዋ ዕንቅፋታት ብምስጋር ምስ ሩስያ ዝነበራ ስምምዕነት ብዓወት ክትፍፅም ከምዝኸኣለት ተዛሪቡ።

እዚ ድማ ኢትዮጵያ ዓለምለኻዊ ርክባታ ናይ ምምራሕን ስትራቴጂካዊ ረብሓታታ ናይ ምኽባርን ዓቕማ እናዓበየ ምምፅኡ ብንፁር ዘርኢ እዩ ክብሉ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሩስያ ዝተረከበተን ዘበነዎት ነፈርቲ ውግእ ሱ-35፣ ወታደራዊ ዓቕማን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ፅልዋን ብልዑል ብርከ ዘዕብዩ ምዃኖም ኣፅንኦት ሂቦም ገሊፆም።

መራኸቢ ሓፋሽ ግብፂን ዓረብን ንወታደራዊ ዕቤት ኢትዮጵያ ብቐረባ ይከታተልዎ ከምዘለዉን እታ ሃገር ሓይሊ ኣየራ ምጥንኻራ ኣብ ግብፂ ልዑል ስግኣት ፈጢሩ ምህላዉን ብምፅራሕ፤ ንፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ነቒፎም።

ግብፂ ምስ ዞባዊ ለውጥታት ዝሳነ ንፁር ፖለቲካዊ ራኢ ከምዝጎድላ፣ እናወሰኸ ዝመፅእ ዘሎ ውሽጣዊ ኢኮኖሚያዊን ወጥሪን ፖለቲካዊ ብድሆታትን ድማ ኣመራርሓ ግብፂ ነታ ሃገር ናይ ምምራሕ ብቕዓት ሕቶ እናልዓለ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.