Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ዘለዋ ግደ ኣጠናኺራ ክትቅፅል እያ – ቫይስ ኣድሚራል ክንዱ ገዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ትካላዊ ዓቕማን ሽርክነታን ብምዕባይ ኣብ ዓለም ለኸ ደረጃ ዘለዋ ግደ ምኽባር ሰላም ብዝበለፀ ኣጠናኺራ ክትቅፅል እያ ኢሎም ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ቫይስ ኣድሚራል ክንዱ ገዙ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ስርዓት ዝረአ ለውጢን በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባር እናዳኸመ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፤ ምኽባር ሰላም ግደኣ እተቐፅለሉ ስትራቴጂታት ዘተኮረ ዘተ ተኻይዱ።

ቫይስ ኣድሚራል ክንዱ ገዙ ኣብ መዛዘሚ እቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ፤ ተሳትፎ ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባር ሰላም ዓለም ለኸ ግቡእ ጥራሕ ዘይኮነስ ዘኹርዕ ሃገራዊ ታሪኽን ወሳኒ ስትራቴጂካዊ ሃፍቲን እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ 1950ታት ኣብ ኲናት ኮርያ ካብ ዝተሳተፈትሉ እዋን ጀሚራ ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 70 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ልዕሊ 180 ሺሕ ሓይልታት ዓቀብቲ ሰላም ብምውፋር ንዓለም ለኸ ሰላምን ፀጥታን ዘለዋ ፅኑዕ ቅዋም ብተግባር ከምዘርኣየት ኣልዒሎም።

ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ብምጥቃም ትካላዊ ዓቕሚ ንምዕባይን ፖሊሲታት፣ ማዕቀፋት ሕጊን ስርዓታት ኣሰራርሓን ምስ ዓለም ለኸ መለክዒታት ንምስምዕማዕ ከምዝስራሕ ገሊፆም።

ምስ ሕቡራት መንግስታት፣ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ኢጋድን ሓይሊ ተጠባባቒ ምብራቕ ኣፍሪካን ዘሎ ምትሕብባር ከምዝጠናኸርን ዘላቒ ፍልፍላት ሃፍቲ ንምስፋሕ ትኹረት ከምዝግበርን ኣመልኪቶም።

ኢትዮጵያ ኣብ መፃኢ እተተግብሮ ስትራቴጂ ምኽባር ሰላም ምስ ዓለም ለኸ ግቡኣት፣ ሰላምን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪካ ከምኡ እውን ምስ ናይ ነዊሕ እዋን ሃገራዊ ረብሓታት ፀጥታ እታ ሃገር ብምውህሃድ ከምዝምራሕ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.