Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ መደመር ሓዱሽ ስልጣነ ኢትዮጵያ የብስር ኣሎ – ነብዩ ባዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ መደመር ልምዓት ባህሊን ቱሪዝምን ኣብ ስግግር ወለዶታት ተመስሪታ እትህነፅ ሃገር ብምህናፅ ሓዱሽ ስልጣነ ኢትዮጵያ የበስር ኣሎ ኢሎም ሚኒስትር ዲኤታ ባህሊን ቱሪዝምን ሓጋዚ ፕሮፌሰር ነብዩ ባዬ።

እቶም ሚኒስትር ከምዝበሉዎ ኢትዮጵያ ዘርኢ ወዲ ሰብ ዝተረኸበላ፣ ጥንታዊት ምድርን ብምሕደራ መንግስቲ ኣብ ቀዳሞት ዝስራዕ ስልጣነ ዝወነነት ሃገርን እያ።

ናይ ሺሕ ዓመታት ዝገነነ ስልጣነ ኢትዮጵያ ወናኒት ሩባ ኣባይ፣ መበቆል ወዲ ሰብን ቡንን ብምዃና፤ ኣብ ዓድዋ ብዝተጎናፀፈቶ ናፅነትን ወናኒት ፍሉያት ሃፍትታትን ዝፍልፍሉ ምዃኖም ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ንዓለም ዘበርከተቶም ታሪኻዊ፣ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ሓድጊታትን ክብሪታትን፣ ካብቶም ዝተፈለጠትሎም ፍሉያት መለለይኣ ምዃኖም ኣመልኪቶም።

መንግስቲ መደመር ንሓድነት ብሄራትን ብሄረሰባትን፣ ከምኡ እውን ንብዝሃ ዘፈር ልምዓት ኢኮኖሚ ዝሃቦ ትኹረት ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ምትእስሳር ዘሳኒ ሓዱሽ ብርሃን ስልጣነ ከምዘብርሀ ተዛሪቦም።

እዚ ድማ መንነት ብሄራትን ብሄረሰባትን ዜጋታትን ምስ ሃገራዊ ሓድነት ሚዛኑ ዝሕሉ፣ ፍትሓዊን ኩሉ ዝሓቖፈን ባይታ ብምህናፅ ሕውነት እናጎልበተ ምዃኑ ኣልዒሎም።

ሓበራዊ ህይወት ዜጋታት ዘንፀባርቑ ሃይማኖታዊን ባህላዊን በዓላት እውን ሉኣላዊ ሓድነታ ዝተሓለወን ዝማዕበለትን ኢትዮጵያ ንዝቕፅል ወለዶ ንምስግጋር መሰረት እናንፀፉ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም።

መንግስቲ መደመር ብዙሕነት ንዘለዎ ልምዓት ኢኮኖሚ ንዘፈር ቱሪዝም ዝፈጠሮ ዕድል፣ ታሪኻዊ ሃፍትታት ብምሕላው፣ ክባር ሓድጊታት ሃገር ንምዕቃብ እናኽኣለ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ብፍላይ መንግስቲ መደመር ንምልማዕን ምሕላውን መንፈሳዊን ቁሳዊን ሓድጊታት ዝሃቦ ፍሉይ ትኹረት፤ ክብሪ ዘጎናፅፍ ያታ ህንፀት ወለዶ ብምስራፅ፣ መንነት ሃገርን ፍልፍል ኩርዓትን ንኽኸውን እናገበረ ምዃኑ ጠቒሶም።

መንግስቲ መደመር ልምዓት ባህሊን ቱሪዝምን ኣብ ምስግጋር ወለዶታት ተመስሪታ እትህነፅ ሃገር ብምህናፅ፤ ሓዱሽ ስልጣነ ኢትዮጵያ እናብሰረ ምዃኑ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ኣሳታፊን ሓባራዊ ያታን ዝሃንፅ ኣሰር ብምንባር፣ ብስግግር ወለዶታት ዝህነፅ ዕቤት ኢትዮጵያ እናብሰረ ምዃኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.