Fana: At a Speed of Life!

ፋይናንስ ክሊማ ንቀዳምት ረብሓታት ኣብ ምዕባይ ንዝርከባ ሃገራት ምላሽ ብዝህብ ኣገባብ ክቐርብ ይግባእ – ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ፋይናንስ ክሊማ ንቀዳምት ረብሓታት ኣብ ምዕባይ ንዝርከባ ሃገራት ምላሽ ብዝህብ ኣገባብ ክቐርብ ይግባእ ኢሎም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ተመራፂ ፕሬዚዳንት ኮፕ32ን ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)።

ኣብ ጉባኤ ኮፕ31፣ “ካብ ውጥን ናብ ተግባር፡ ብዓለም ለኸ ትካል ምሕላው ከባቢ፣ ፈንድ ሃገራት ትሑት ደረጃ ልምዓትን ፍሉይ ፈንድ ለውጢ ክሊማን ኣቢልካ ደገፍ ገንዘብ ምእካብ” ብዝብል ኣርእስቲ ዘተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ተኻይዱ።

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፤ ኣብ ምዕባይ ንዝርከባ ሃገራት ደገፍ ገንዘብን ተበፃሕነት ቴክኖሎጂን ምቕራብ፣ ሃገራዊ ውጥናት ናብ ተግባር ንምቕያር ወሳኒ እዩ።

ፋይናንስ ክሊማ ብዝድለ ደረጃ ብተበፃሒ መንገዲታትን ንቀዳምነታት ረብሓታት ኣብ ምዕባይ ንዝርከባ ሃገራት ምላሽ ብዝህብ ኣገባብን ክቐርብ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ሃፍቲ እኹል ኣብ ዘይኮነሉ እዋን ኣፈፃፅማ ከምዝድንጉይን ተቓላዕነት ከምዝገድድን ኣብ ሓባራዊ ፃዕሪ ዝህሉ እምነት እውን ከምዝዳኸምን ገሊፆም።

ብዓለም ለኸ ትካል ምሕላው ከባቢ ዝግበር ደገፍ ስድራቤት ሓዊሱ ፈንድ ሃገራት ትሑት ደረጃ ልምዓትን ፍሉይ ፈንድ ለውጢ ክሊማን ንምጥንኻር ዝተጀመረ ፃዕሪ ምእካብ ሃፍቲ ንኢዶም።

ኢትዮጵያ ጉባኤ ኮፕ32 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምእንጋድ ምድላዋት ኣብ እተካይደሉ እዋን ምስ ኩሎም መሻርኽቲ ንምስራሕ ዘለዋ ድልውነት እውን ኣረጋጊፆም።

#ኢትዮጵያ #ኮፕ_32_ኢትዮጵያ #COP31 #COP32 #COP32ETHIOPIA #fanamediacorporation

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.