Fana: At a Speed of Life!

ምስ ኢትዮጵያ ዘለና ርክብ ንምጥንኻር ክንሰርሕ ኢና – ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓደሽቲ ዝተሾሙ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሃገሮምን ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ፕሬዚደንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ዝተሸሙ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ደብዳቤ ሹመቶም ተቐቢሎም።

ኣምባሳደር ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስ ኣብደላ ሓሰን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ፅቡቕ ርክብ ከምዘሎ ብምፅራሕ ነዚ ርክብ ብኹሉ መዳይ ክቕፅል ንምግባር ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ቆጵሮስ ሳቫስ ቭላድሚሩ ከምዝሓበሩዎ፤ ኢትዮጵያ ንሪፐብሊክ ቆጵሮስ ጥንክርቲን እምንቲን መሻርኽቲ ከምኡ እውን ወሳኒት መሓዛ ኮይና ከምዝፀንሐት ኣብሪሆም።

ኣብ መንጎ ቆጵሮስን ኢትዮጵያን ዘሎ ባህላዊ፣ ንግዳዊን ኢንቨስትመንትን ዕድላት ብምዕባይ ታሪኻዊ ርክበን ዝያዳ ንምስፋሕ ከምዝሰርሑ ኣፍሊጦም።

ኣምባሳደር ሪፐብሊክ ቼክ ጃን ሮሴክ ብወገኖም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝፀንሑሉ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምትሕብባር ከጠናኽሩ ዝኽእሉሉ ስራሕ ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝቕፅል እውን ሙዚየም ህፃናት ሓዊሱ ኣብ ዘፈር ምክልኻልን ፀጥታን ከምኡውን ኣብ ካልኦት ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ጉዳያት ብትኹረት ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ እናዓበየ ዝኸይድ ኢኮኖሚ ዘለዋ ሃገር ምዃና ዝገለፁ ድማ፤ ኣምባሳደር ኣየርላንድ ሲያላራን ማደን እዮም።

ክልቲአን ሃገራት ሓባራዊ ረብሓ ኣብ ዝህልወን ንግዳውን ኢኮኖሚያውን ዕድላት ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

ብቅድስት ኣባተ

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.