Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ይድነቃቸው ተሰማ ንኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዓብዪ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣይተ ይድነቃቸው ተሰማ ንኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዓብዪ ኣበርክቶ ምግባሮምን ንዝሰርሕዎ ስራሕ ክብሪ ምሃብ ግቡእ ምዃኑን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ኣዲስ ኣበባ 57 ሄክታር ዝሽፍን ሓዱሽ ልምዓት ኮሪደር መሪቖም ስራሕ ኣጀሚሮም።

እቲ ልምዓት፤ ካብ ቦሌ መድኃኔዓለም ብጎላጉል ክሳብ እንግሊዝ ኤምባሲ፣ ካብ ቦሌ መድኃኔዓለም ክሳብ ሞኤንኮ፣ ካብ ቤት ትምህርቲ ቦሌ ክሳብ ኣደይ ኣበባ ሞዴል መንደር፣ ካብ ኢምፔሪያል ሆቴል ክሳብ ሻላ ፓርክ፣ ካብ ቺቺኒያ ክሳብ ቦሌ ሩዋንዳ፣ ካብ ስታዲየም ኣደይ ኣበባ ክሳብ መንገዲ ቦሌ ከምኡ እውን ውሽጣዊ መገድታት ዘጠቓልል እዩ።

ኣብ ጥቓ ስታዲየም ኣደይ ኣበባ፣ ኣቦ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ንዝኾኑ ኣይተ ይድነቃቸው ተሰማ ዝውክል ሓወልቲ ከም ዝተተኸለሎም እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣይተ ይድነቃቸው ተሰማ ንኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዝገበሩዎ ኣበርክቶ ዓብዪን ፍሉጥን ብምዃኑ፤ ዝግብኦም ክብሪ ክወሃቦም ከም ዝግባእ ኣዘኻኺሮም።

ንዕኦም ምዝካር ዓብዪ ነገር ምዃኑ ብምግላፅ፤ ንኢትዮጵያ ሰሪሖምን ኣገልጊሎምን ዝሓለፉ ሰባት ከይርስዑ፣ መለለዪ ምልክቶም ብምትራፍ ስም ሃገር ምስፋሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ካብዚ ብተወሳኺ ዓብዪ ሰብ ምዃኖምን ዝግበኦም ክብሪ ንኽወሃቦም ምዝካር ብብዪ ነገር ምዃኑን ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.