Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተረጋግአ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ምንቅስቓስ ተፈጢሩ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝተረጋግአ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ምንቅስቓሳት ተፈጢሩ እዩ ኢሉ ቢሮ ኮሙኒኬሽን በዓል ሓደራ ምምሕዳር መንግስቲ ፌደራል እቲ ክልል።

ቢሮ ኮሙኒኬሽን በዓል ሓደራ ምምሕዳር መንግስቲ ፌደራል ክልል ትግራይ፤ ኣብ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ሓደ ወርሒ እቲ ምምሕዳር ኣመልኪቱ ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቡ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ዳሞራ ያሕያ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ ብዘካየዶም ተግባራት ኣብቲ ክልል ዝተረጋግአ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ምንቅስቓሳት ክፍጠር ከም ዝተኽኣለ ሓቢሮም።

እቲ ምምሕዳር ካብ ክልል ክሳብ ቀበሌ ምሉእ ውዳበ ከምዝተዘርገሐን ብህዝቢ ዝተመረፁ ኣተሓባበርቲ ምሉእ ብምሉእ ናብ ስሩዕ ስረሖም ምምላሶምን ገሊፆም።

በዚ ድማ ምስ ህዝቢ ዝተኻየዱ ዘተታት ንሓፈሻዊ ለውጢ እቲ ክልል መሰረት ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኩሎም ከባቢታት እቲ ክልል ከይዲ ምምሃርን ምስትምሃርን ከም ዝተጀመረ ተዛሪቦም።

ሰራሕተኛታት መንግስቲ እቲ ክልል ናብ ስረሖም ከም ዝተመለሱን ክፍሊት መሃያ ከም ዝተጀመረን ብምሕባር፤ ህዝባዊ ኣገልግሎታት እውን ናብ ምሉእ ኣፈፃፅማ ከም ዝተሰጋገሩ ኣመልኪቶም።

እቲ ምምሕዳር ካብ ዝተጣየሽ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ምዃኖም ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንዝቕፅል መረፃ ምቹው ኩነታት ንምፍጣር ዘኽእሉ ስራሕቲ ይካየዱ ምህላዎም ኣፍሊጦም።

መናእሰይ ሓዊሱ ኩሉ ሕብረተሰብ፣ ሰላም እቲ ክልል ንምርግጋፅ ዘርእዮ ዘሎ ተሳትፎ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ፃውዒት ምቕራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.