ዝፈሸለ ሽርሒ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ናይ ምንፃል ተግባር
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ካብ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣሕዋቱ ንምንፃል ብዙሕ ውዲታት ብምእላም ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዘይፈንቀሎ እምኒ የለን።
ኣብ ዕጫን መፃኢ ዕድልን ህዝቢ ትግራይ ንምጥላዕ ሓደገኛ ሜላታት ክጥቀም ዝፀንሐ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ፤ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብቲ ክልል ኲናት ንኽቋረፅን ዘላቒ ሰላም ንኽዓስልን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ብምጥሓስ ንኲናት ክዳሎ ምፅንሑ ዝፍለጥ እዩ።
መናእሰይ ብግዲ እናገፈፈ ናብ ወታደራዊ ስልጠና ብምእታው ንህዝቢ እቲ ክልል ዝለኣኽ ሰብኣዊ ሓገዝ እናመንዘዐ ንወታደራዊ ምድላው ከውዕሎ ፀኒሑ።
መንግስቲ ፌደራል ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዝልእኾ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ፤ መንግስቲ ሓገዝ ከምዘይገብር ብምምሳል ንህዝቢ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት እናዘርገሐ ፀኒሑ።
ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ ኣብ እዋን ኲናት ሰሜን ካብ መረበቶምን ንብረቶምን ዝተመዛበሉ ዜጋታት እቲ ክልል ናብ መረበቶም ንምምላስ ዝገበሮም ተደጋጋሚ ፃዕርታት ዕንቅፋት ፈጢሩሎም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብዛዕባ ክልል ትግራይ መብርሂ ኣብ ዝሃብሉ ቃለ መሕትት ከምዝገለፁዎ፤ ተመዛበልቲ ከም መሳርሒ መደራደሪ ብምጥቃም ናብ መረበቶም ከይምለሱ ምግባር እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህዝቢ ናይ ምንፃል ሓደገኛ ፈተነ እዩ።
ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ህዝቢ እቲ ክልል ካብ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ንምንፃል፤ “ተጠቒዕካ ኢኻ”፣ “ተኸቢብካ ኢኻ”፣ ከምኡ እውን “ከጥፍኡኻ መፂኦም” ዝብሉ ኣፈላላይ ዝፈጥሩ ያታታት ብመገዲ ፕሮፓጋንዳ ሚድያታቶምን ደገፍቶምን ክዝርግሑ ምፅንሖም ዘይርሳዕ እዩ።
እንተኾነ ግና ኣብዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ናይዚ ተንኮለኛ ጉጅለ ሓቀኛ መንነት ብዕምቆት ተረዲኡ እዩ።
ህዝቢ ትግራይ ምስ ዝተረፈ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘለዎ ጥቡቕ ምትእስሳር፣ ብህርፋን ስልጣን ውልቀሰባት ክበታተን ከምዘይኽእል፣ ኣብቲ ክልል ብብዝሒ ብምውፃእ ንሰራዊት ምክልኻልን መንግስቲን ዘርኣዮ ድጋፍን ምሕዝነትን መርአያ እዩ።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንዳግማይ ኲናት ንመናእሰይ ብግዲ እናገደደ እንተሰልፍ ኣዴታት ትግራይ ድማ ናብ ማእሰርቲ አእትዩወን እዩ፤ ንህዝቢ ትግራይ ዘድልዮ ሰላምን ልምዓትን እዩ ብምባል ሓሳቦም ዝገለፁ ሰባት እናኣሰረን እናሰወረን ምፅንሑ እውን ዝፍለጥ እዩ።
በዚ ከየኣክል ሰብኣዊን ፖለቲካዊን መሰላት ዝገድቡ ኣዋጃት ብምውፃእ ነቲ ክልል ናይ ቀዋሚ ቤት ማእሰርቲ ቀይሩዋ፤ እዚ ተግባሩ እውን ንህዝቢ እቲ ክልል መንነት እቲ ጉጅለ ብግልፂ ዘርኣየ እዩ ነይሩ።
ህዝቢ ትግራይ ልምዓትን ሰላምን ከምዝደሊ፣ ኢትዮጵያ ካብ ህዝቢ ትግራይ ዝተነፀለ ታሪኽ ክህልዋ ከምዘይክእልን፣ ህዝቢ ትግራይ ንሓድነት ኢትዮጵያ ክባር ዋጋ ምኽፋሉን ዘይከሓድ ሓቂ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) “ህዝቢ ትግራይ ብኢትዮጵያውነቱ ዝሕበንን ንሓድነት ኢትዮጵያ ዝተዋግአን ዋጋ ዝኸፈለን ህዝቢ እዩ” ክብሉ ገሊፆምዎ እዮም።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ብሽሙ እናነገደሉ ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ብስጉምቲ ምኽባር ሕጊ መንግስቲ ዝረኸቦ ሰላም ብምፅናዕ ናይ ልምዓት ስራሕቱ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እኩይ ተግባር እቲ ጅለ ብሓባራዊ ሓይሊ ደው ከብል ይግባእ።
ብቴዎድሮስ ሳህለ