ትግራይ ክትለምዕ ዘይደሊ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ካብ ዝተመስረተሉ እዋን ጀሚሩ፣ ድሒሩ ድማ መንግስቲ ኮይኑ ሃገር ኣብ ዝመርሓሉ እዋን ከምኡ እውን ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዱ ህይወት ህዝቢ ክቕይር ዝኽእል ስራሕቲ ልምዓት ኣይሰርሐን።
እቲ ጉጅለ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ካብ ህዝቢ ትግራይ ብምሕዳግ ንረብሓ ሒደት ውልቀሰባት ክሰርሕ ፀኒሑ እዩ።
ንዳግመ ሕውየት ህዝቢ ትግራይ ብዝብል ዝተመስረተ ኤፈርት እውን መጥቀሚ ውልቃዊ ረብሓ ሒደት ውልቀሰባት ከምዝነበረ ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ጉጅለ ዝነበሩ ምስክርነት ሂቦምሉ እዮም።
እቲ ትካል እኩብ ብዙሓት ዓበይቲ ትካላት ዝሓቖፈ እኳ እንተነበረ፤ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቐመሉ ዋላ ሓደ ነገር ኣይነበረን።
ፀገም ማይ ከተማ መቐለ እኳ ክፈትሕ ዘይከኣለን ክፈትሕ ዘይደለየን ጉጅለ ምዃኑ እዚ ዘመልክት እዩ።
ኣባላት ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ካብቲ ክልል ዝወፅኡ መዓድናት እናበዝበዙ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ህንፃታት እናሃነፁ፣ ደቆምን ስድራቤቶምን ኣብ ወፃኢ ሃገራት እናምሀሩ ይርከቡ።
ብኩናት ጉድኣት ዝበፅሖም ህዝቢ እቲ ክልል ግና ብጉድኣት ኣካልን ድኽነትን እናተሳቐዩ ከምዝርከቡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ሓደ እዋን ገሊፆም ነይሮም።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንልምዓት እቲ ክልል ይኹን ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ሸለልትነት ገና ኣብ በረኻ እናሃለወ እውን ዝፍለጠሉ እዩ።
ብድርቂ ንዝተጎድኡ ሰባት ዝመፅአ ሓገዝ እውን ካብ ህዝቢ ብምሕዳግ ንኲናት ኣውዒልዎ እዩ።
ሕዚ እውን ብተደጋጋሚ ኩናት እናኣጎዱ፣ ህዝቢ ክጠፍእ ብምግባር፣ ንሓገዝ ዝመፅአ እኽሊ ኣፅዋር ኲናት ንምዕዳግ ተጠቒሞምሉ እዮም።
ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ፍፃመ ኣመልኪቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፣ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ድርቂ እናሃለወ፤ ኣብቲ ክልል ኲናት ኣዊጆም፣ መንገዲ ዓፅዮምን መገዲ ኣየር ደው ኣቢሎምን፣ እቲ ህዝቢ ንዳግማይ ስቓይ ክቃላዕ እናሰርሑ ከምዝነበሩ ገሊፆም ነይሮም።
እቲ ጉጅለ ንዝሓለፉ 8 ዓመታት ነጋሪት ኲናት ካብ ምስማዕ ወፃእ ኣብ ትግራይ ዋላ ሓንቲ ስራሕ ልምዓት ዘየካየደ ኮይኑ፤ ኣብ ምድላው ኲናት ተፀሚዱ ፀኒሑ እዩ።
ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ልምዓት ኮሪደር እናተስፋሕፈሐ ኣብ ዝርከበሉ እዋን እቲ ጉጅለ ኣብ ክልል ትግራይ ሓንቲ ኪሎ ሜትሮ እኳ ልምዓት ኮሪደር ንምስራሕ ፍቓደኛ ኣይነበረን።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ትግራይ ተካኢ ወለዶ ከይህሉ ብዙሕ ፃዕሪ ገይሩ እዩ፤ ብድሕሪኡ ትግራይ ከይትህሉ ብዙሕ ሰሪሑ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር፤ ኣነ እንተሞይተ ትግራይ የላን” እናበለ እኳ እንተነበረ፣ ኣይተዓወተን ኢሎም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ክልል ኣየር ሰላም እናስተንፈሰ ይርከብ ኩሎም መንግስታዊ ኣገልግሎታት ብምሉእ ዓቕሞም ናብ ስራሕ እናተመለሱ ይርከቡ።
ነዚ ስራሕቲ ልምዓትን ሰላምን ኣጠናኺርካ ብምቕፃል ተረባሕነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ህዝቢ ትግራይ ከምኡ እውን መላእ ኢትዮጵያውያን ብሓድነት ጠጠው ክብሉ ይግባእ።
ብቴዎድሮስ ሳህለ