Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ ዘተ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ ስምምዕነት ምትሕብባር ታክስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ትሕቲ ማዕቀፍ ሕቡራት ሃገራት ዝተዳለወ ዓለም ለኸ ስምምዕነት ምትሕብባር ታክስ ኣመልኪተን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይዝትያ ኣለዋ።

እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ናይሮቢ ክካየድ ንዝተመደበ ሻድሻይ ዙር ድርድር ማዕቐፍ ምትሕብባር ታክስ፤ ኣፍሪካ ሓደ ዓይነትን ጥንኩርን መርገፂ ሒዛ ንክትቀርብ ዘኽእላ እዩ።

ኣብቲ መድረኽ ትካላት ምምሕዳር ታክስ ሃገራት ኣፍሪካን ኣብ ሲቪል ማሕበረሰብ ዝነጥፋ ውዳበታትን እናተሳተፉ እንትኾኑ፤ እቲ መድረኽ ኣብ ቀረባ እዋን ተመሓይሹ ዕላዊ ዝኾነ 28 ዓንቀፃት ዝሓዘ ረቂቕ ስምምዕነት ሓባራዊ መርገፂ ንከንፀባርቓ ከምዝሕግዘን ተገሊፁ።

እቲ ስምምዕነት ብቐንዱ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ጥራሕ ተደሪኹ ዝፀንሐ ስርዓት ኣወፃፅኣ ሕጊ ዓለም ለኸ ታክስ ብምልዋጥ ኩለን ሃገራት ብማዕረ ዝሳተፋሉ ስርዓት ንምዝርጋሕ ዘኽእል ምዃኑ ተመልኪቱ።

ካብዚ ብተወሳኺ ዓለም ለኸ ዓበይቲ ቴክኖሎጂታትን ካልኦት ኩባንያታትን ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣካላዊ ቤት ፅሕፈት እኳ እንተዘይሃለወን፤ ኣታዊ ኣብ ዝረኸባላ ሃገር ዝግባእ ግብሪ ክኸፍላ ዘገድድ ፕሮቶኮል ከምዝሓዘ ተገሊፁ።

ኣብ 2027 ዓ.ም.ፈ ክፀድቕ ዕላማ ዝተተሓዘሉ እዚ ስምምዕነት፤ ምስዋር ግብሪ ንምክልኻልን ልውውጥ ሓበሬታ ፋይናንስ ንምጥንኻርን ዝዓለመ ምዃኑ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።

ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ብቢልየናት ዶላር ዝቑፀር ኣታዊ ከስእነን ዝፀንሐ ምስዋር ግብሪ ብምክልኻል ዓቕሚ ኣታዊአን ከዕብያ ከምዘኽእለን ተገሊፁ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ብኣንዱኣለም ተስፋዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.